ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዜጋታት ይኣስር ኣሎ !

ከም መቐጸልታ ዓማጺ ተግባራት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ጸጥታዊ ጉጅለታቱ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ዓዲ ቐይሕ ከም ዝኣሰሩ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። እዚ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ካብ ሮቡዕ ዕለት 24/01/2019 ኣትሒዙ ክስባ ንጎሆ ሓሙስ 25/01/2019 ከም ዝቐጸለ ብምሕባር፣ ካብ’ዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ”እስላማዊ ኣውቓፍ” (እስላማዊ ምምሕዳር)፣ ዝሰርሑ ኮይኖም፣ ክሳብ ሕጂ በጺሑና ዘሎ ኣስማቶም እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦

1. ኣቶ ሳልሕ ኢብራሂም ሹም

2. ኣቶ ዩሱፍ ሙሓመድ

3. ኣቶ ናስር ሳልሕ ጻድዋ

4. ኣቶ ማሕሙድ ዓብዱ ቓዲ

5. ኣቶ ሳልሕ ዲኒ

ብተመሳሳሊ፣ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን፣ ንልዑላውነት ሃገርናን መጻኢ ዕድል ህዝብናን ዝህድድ ዘይብሩህ ዝምድና ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ ኢትዮጵያ፣ ክቃወሙ ኢዮም ንዝበሎም ዜጋታትና፣ ጸጥታዊ ጉጀልታቱ ኣዋፊሩ ይኣስር ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

”ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ክፍሊ ዕዮ ዜና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

26/01/2019

Short URL: https://english.farajat.net/?p=11248

Posted by on Jan 28 2019 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net