News

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከተማ ዓዲ ቀይሕ ዜጋታት ይኣስር ኣሎ !

Market in Adi Keyh, Eritrea, Africa

ከም መቐጸልታ ዓማጺ ተግባራት ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፣ ጸጥታዊ ጉጅለታቱ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ዓዲ ቐይሕ ከም ዝኣሰሩ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። እዚ ናይ ማእሰርቲ ስጉምቲ ካብ ሮቡዕ ዕለት 24/01/2019 ኣትሒዙ ክስባ ንጎሆ ሓሙስ 25/01/2019 ከም ዝቐጸለ ብምሕባር፣ ካብ’ዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታትና ኣብ ”እስላማዊ ኣውቓፍ” (እስላማዊ ምምሕዳር)፣ ዝሰርሑ ኮይኖም፣ ክሳብ ሕጂ በጺሑና ዘሎ ኣስማቶም እዚ ዝስዕብ ኢዩ፦

1. ኣቶ ሳልሕ ኢብራሂም ሹም

2. ኣቶ ዩሱፍ ሙሓመድ

3. ኣቶ ናስር ሳልሕ ጻድዋ

4. ኣቶ ማሕሙድ ዓብዱ ቓዲ

5. ኣቶ ሳልሕ ዲኒ

ብተመሳሳሊ፣ ጉጅለ ህግደፍ፣ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ከተማታት ኤርትራን፣ ንልዑላውነት ሃገርናን መጻኢ ዕድል ህዝብናን ዝህድድ ዘይብሩህ ዝምድና ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ ኢትዮጵያ፣ ክቃወሙ ኢዮም ንዝበሎም ዜጋታትና፣ ጸጥታዊ ጉጀልታቱ ኣዋፊሩ ይኣስር ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

”ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ” !!

ክፍሊ ዕዮ ዜና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

26/01/2019

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top