ኣካ ረአና፡ ይበል ፈስቲቫል ኤርትራ 2010

ብኣንቶንዮ ተስፋይ

ዕለት 10 ነሓሰ 2010

ብዕለት 6 ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ ዓመታዊ ፈቲቫል ኤርትራ ከተማ ፍራንክፎርት ድሕሪ ናይ 3 መዓልቲ ናይ ዝተኻየደ ዕዉት ሰልፋውን፡ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ባህላዊ ጉዳያት ብዕግበት መላእ ተሳተፍቲ ተደምዲሙ።

ዓርቢ

እቲ ብሓሊዮት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣውሮጳ ብፍላይ ከኣ ሃገረ ጀርምን ዝዳሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ቆጸርኡ ዓርቢ 6 2010 ድሕሪ ቀትሪ፡ ብሰሚናር ኣባላት ሰልፊ ጀሚሩ። ኣቦ/መ ሰልፊ ወልደየሱስ ዓማርን ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ዝመርሕዎ ሰልፋዊ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣብ’ቲ ሰሚናር ኣባላት ሰልፊ ብመሪሕነት ሓፈሻዊ ጸብጻባትን ስርሓት ሰልፊ ቀሪቡ፡ ነፍሲወከፍ ተሳታፊ ሰሚናር ሕቶ፡ መብርሂ ብምቅራብ ካብ መሪሕነት መልሲ ተዋሂብሉ። ቀጺሉ ዕምቆትን ስፍሓትን ዘለዎም ንህሉው ኩነታትና ዝገልጹ ትንተናታት ብመልክዕ ርእይቶታትን ለበዋታትን ስዒቦም፡ ንልዕሊ 5 ሰዓታት ዝቀጸለ ሰሚናር ብሙሉእ ዕግበትን ምርድዳእን ዕዉት ኣኼባ ኣብ ግዜኡ ተፈጺሙ። ቀጺሉ ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ በቲ መራሕ መድረኽ ኢተባረኽ ገብረትንሳኤ ዝእለ፡ ወናማት ባህላውያን ስነ ጥበባውያን ዘማዕረጉ ግርማይ ተስፋምርያም (ጥዩስ)፡ ተኽለ ኣብርሃም(ዘርኣይደረሰ)፡ ኑራዲን ማሕሙድ  ከምኡ’ውን ኣሉላ ሃብተ፡ መድሃኔ፡ ዮሴፍ መለስ፡ ኣለም ኣሰፋው (ዕምበባ) ሰሚራ ኣስመላሽ ዝርከብዎም፡ ወኒ ተሳተፍቲ ዘበራበረ ብባህላዊ መደብ ዓርቢ ተደምዲሙ።

ቀዳም

ቀዳም ካብ ሰዓት 12 ጀሚሩ፡ ክሳብ ሰምበት ወጋሕታ ዝቐጸለ ንጥፈታት ፈስቲቫል፡ ቀዳምነት ቃል ኣዳልዊት ሽማግለ ፈቲቫል ኤርትራ 2010 ብብጻይ ተስፋማሪያም ክብርኣብ ቀሪቡ።ካብ’ዚ ቀጺሉ ከኣ ብኣባላት መሪሕነት ሰልፍን ብክኢላታትን መራሕቲ ሲቪላውያን ማሕበራትን መደረታት ቀሪቡ፣ ካብ’ቲ ዝሓለፈ ፈቲቫላት ናይ ሎሚ ዓመት ኣትኵሮ ዝተገብረሎም ጉዳያት ኣውራ ሓድነት ህዝብን መሬትን ማእከላይ ዕላማ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ ፈስቲቫል፡ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፍትሓዊ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ዘለዎም ግደን ተራ ዘዕዝዝን ዘበራብር ዝቐረበ መደባት፡ መንእሰያት ናይ ዓውደ ክትዕ መደብ ከካይዱ እንከለዉ፡ ብጸይቲ ሜሮን እስቲፋኖስ ከኣ ኣድላይነት ተሳትፎ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ኣስተምህሮ ኣቕሪባ። ብጻይ ኪሮስ በየነ ብወገኑ፡ ዘይምእኩል ምሕደራ ዘርእስቱ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ። 

በዚ ጥራሕ መዓስ ሓሊፉ ሓውና ኑረዲን ካብ ሽወደን፡ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ይግበር ዝተመስረተ ማሕበር ነባራት ተጋደልቲ ዝምልከት ሓበሬታን፡ ተደላይነቱን፡ ኣብ ነባራት ተጋደልቲ ዘሎ ናይ ናብራ ጸገማት፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሰላምታ ካብ ነባራት ተጋደልቲ ብስእልን ድምጽን ኣሰንዩ ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ዘቕረበ መደብ፡ ብዓብይ ክብሪ ተቐቢልዎ። ነዚ ክብሪ ከኣ ኩሉ ተሳታፊ ካብ መንብሩ ተሲኡ ንምእንቲ ክብሪ ብጨብጨባ ጣቃዒትን ዕልልታን ኣሰንይዎ። ብጻይ ኣፈውርቂ ኣባይ ብወገኑ ቃል ማሕበር ኣካለ ስንኩላን ኤርትራ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ሰላምታ ዋና ጸሓፊ ማሕበር ብጻይ ተስፋይ ተኽልእዝጊ ኣመሓላሊፉ።

ነቲ መደብ ፈስቲቫል ኣብ መድረኽ ዝመርሕ ዝነበረ ብጻይ ሚኪኤል ከም ዝመስከሮ፡ እቲ መደባትን ይኹን በቲ ብሉጽ ኣስተምህሮን ዝተላዕሉ ኣገደስቲ ኣርእስትታት ዝተመሰጠ ተሳታፊ ፈስቲቫል ኤርትራ 2010 ብትዕግስቲ ነቲ ሙሉእ መደብ ከም ዘሰነየ ብሓቂ ካብ’ቲ ዝገርም ጉዳይ ምንባሩ’ዩ።

ፈስቲቫል፡ ብዘይካ እቶም ነባራት፡ ብብዝሒ መንእሰያት ደቂተባዕትዮን፡ ደቂኣንስትዮ ዝተሳተፍዎ፡ ኣብ’ቲ ስርሓት ፈስቲቫል ዝተሓባበሩን ዘገልገሉን ምንባሮም ሓድሽ ተስፋን፡ ሓይሊ ቀጻልነት ፈስቲቫል ዘድመቐን ዝዀልዐን ነበረ። ኣብ መወድእታ ከኣ ፍሉይ መደባት ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ። ኣብ’ቲ መደብ ብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር ኣባል መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ሽማግለን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘቕረበቶ መግለጺ፡ እቲ ሕጂ እነበርሆ ሽምዓ ንኽብርን ሞያን ተጋድሎን ደቂኣንስትዮ፡ ብፍላይ ከኣ ሎሚ ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ብቀጻሊ ኣብ ልዕሊኤን ንዝወርደን ዘሎ ግፍዕታት ንዝኽሪ ስውኣትን ህልዋትን፡፡ ነተን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከባ ኣብ ቦታ ስደተኛታት ከርተት ዝብላ ዘለዋ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ክብሪ እዩ ብማለት ንኩሉ ተሳታፊ ሽምዓ ኣብርሁ ክዝክረን ኣብ መድረኽ ዓዲማ። ብጽቡቕ ከኣ ተፈጺሙ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ነቶም ብዝተፈላልየ ምኽንያት ብኣካል ኣብ ፈስቲቫል ክሳተፉ ንዘይከኣሉ ኣባላትን፡ ግዱሳት ሃገራውያንን ኩነታት ፈስቲቫል ንምሕባር ናይ ቀጥታ መደብ ንምትሕልላፍ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ጸገማት’ኳ እንተነበሮ ተዓዊቱ። እቲ ብመደብ መርበብ ሓበሬታ ንሓርነት.ኦርግ ኣቢሉ ቀጥታዊ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ንሙሉእ ዓለም ብዝምርጋሕ ህዝብና ኣብ ዘዘለዎ ቦታ ኮይኑ ክዕዘብ ምዕቡል መሳርሒ ብምጥቃም ኩነታት ፈስቲቫል ንህዝቢ ክበጽሕ ብቀጻሊ ዝተኻየደ ጻዕሪ ኣዕዊቱ።

ሰንበት

ፈስቲቫል ብዓቢ ሃገራዊ ወኒ፡ ብዓብይ ተገዳስነት፡ ፍቕርን ስኒትን ዝመልኦ፡ ሰሚናራት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ባህልዊ መግብታት ተቐሪቡ፡ ብወናማት ሙዚቀኛታት ተሰነዩ ባህላውን ዘመናውን ጸወታታትን ዝተኻየደሉ፡ ገና ዕላሎምን ጸወታኦም ዘይወድኡ ምንባሮም ዝሕብሮ ተሳተፍቲ ክሳብ ወጋሕታ ሰዓት 6 ምጽንሖም’ዩ። እዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ተሞክሮይ ንመጀመሪያ ግዜ እዩ ክብል ዘድፍረኒ፡ መዓልቲ ሰንበት ከይተረፈ ካብ ሰዓት 9 ምሸት ክሳብ ሰዓት 3 ናብ ሰኑይ ዘውግሕ ድምቐቱ ከይነከየ፡ ዘተ፡ ተበግሶ መደብ ደቂኣንስትዮም መንእሰያት፡ ባህላዊ ጸወታን ዘሰነዮ ቀጻሊ ፈስቲቫል ብምንባሩ’ዩ።

መደምደምታ

ፈስቲቫል ሰ.ዲ.ህ.ኤ ፍራንክፎርት 2010፡ ኣብ ጽላሎት ዝተወዓወዐ ሓቕነት ዘይብሉ ጸዋዒት፡ ዕላምን መደብን ዘይብሉ፡ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ስምምዓት ዝጠሓሰን፡ ዘዋሰነን ሃገራዊ ዋዕላ፡ ናይ ሃቦ ተረከቦን፡ ስምያን ኣካይዳን ወግዕን ዘይብሉ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ኣንጻር መዘና ዘይብሉ ተሳትፎ ዘረጋገጸ፡ ብሃገራዊነት ዝልለ መደባት ዝሰርዐ ሰፊሕ ፈስቲቫል ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ደኣ መን ተሳቲፉ ዘየብል ኣይነበረን። ብሓቂ ከኣ መንእሰያትና ንፈቲቫል ከም ውሕጅ ዝተሳተፍዎ፡ ንፈስቲቫል ዝተዳለወ መናብር ውሒዱስ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ጠጠው ኢሎም ክከታተሉ ምርኣይ’ዩ።

ኣብ’ዚ ፈስቲቫል ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ተላዒሉ፡ ስለምንታይ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዘይሳተፍ ኣብ ቅድሚ ህዝቡ ኣነጺሩን ኣብርሁን ኣቐሚጥዎ’ዩ። ነቶም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋዕላ ዘይምስታፉ ብሓላፍነት ይሕትቶ እዩ ንዝበሉ፡ መልሲ ኣብ ዝተዋህበሉ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ብሕጋውነቱ፡ ብኣገባቡ፡ ብመስርሑን ኣሰታትፋን መዳያት ቅኑዕን  ግሉጽን ብዘይምንባሩ እንዳፈለጥካን ምስታፍ  ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ደመበ ተቃውሞ ካብ’ቶም ሓተቲ ዝሓስብዎን ዝጽበይዎን ብሓላፍነት ዘሕትት፡ ሓደገኛ ምንባሩን ብሰፊሑ ተገሊጽሎም። እቲ ዝገርም ከኣ ኣባላት መሪሕነት ሰ.ዲ.ህ.ኤ ኣብ ኣኼባታት ኪዳንን፡ ኣብ ምስንዳእ ዋዕላ ብኣካል ተረኺቦም ንዘቕረብዎ ሓሳብ፡ ንዘቕረብዎ ርእይቶ ብዘይሕብእብእ ንህዝቢ ግልጺ ፖለቲካዊ መስመር ሰልፊ፡ ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ንዝቐርብ ፍታሕ ንህዝቢ ኣብ ዘቕረብሉ ክውን ለባምን፡ ኣብ ሓድሕድ ምጽውዋር ዝተመስረተ ድሕነት ኩሉ ኤርትራዊ ዝውንና ሃገር ንምርግጋጽ፡ ክህሉ ዝኽእል ሃገራዊ፡ሕጋዊ፡ ህዝባዊ፡ መስመር ተባላሕነት ኣፍልጦን፡ ብትንተና ብሰፊሕ ዝቀረበሉ ኣኼባ ምንባሩ’ዩ። ኣብ’ዚ ከኣ ሰፊሕ ተሳታፊ ፈስቲቫል ዝዓገበሉ ምንባሩ፡ እቲ ድኻምን ጻዕርን፡ ሽትኡ ሃሪሙ ከም ዝተዓወተ ዘረጋገጸ፡ ነቶም ን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይመንገዱ ዘይፍትሓዊ ፍርዲ ሂቦም ሓላፍነት ከሰክሙ ዝፈተኑ፡ እቲ መሪሕነት ዘይኮነስ ህዝቢ ብዝቀረበሉ ሓቐና ሚዛንን ገምጋማትን ኣኼባታት ዋዕላ ስለ ዝበርሃሉ ባዕሉ’ዩ መልሲ ዝሃበ።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ተሳታፊ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ክሓትት ዕድል ተዋሂቡ፡ ኣብ ዘቕረቦ ሓውሲ ርእይቶ ዝዀነ ሕቶ ከም’ዚ ዝሰዕብ ይብል….. ብርእይቶይ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላ፡ እዚ ሰልፊ’ዚ ማለት፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክሳተፍ ነይርዎ’የ ዝብል። ቅድሚ እቲ ሓሳበይ ምግላጽ ግን ሓንቲ ጽውጽዋይ ክነግረኩም ኣፍቅዱለይ ኢሉ፡ ብምቅጻል ከም’ዚ ዝስዕብ…. ሓደ እዋን እንስሳታት ብዛዕባ ምምሕያሽ ናብራኦም ኣድማ ክገብሩ ስለ ዝመደቡ ኩሉ እንስሳታት ንዋዕላ ተዓደሙ፡ ኣብ’ቲ መዓልቲ ዋዕላ ከኣ ኩሉ ይሳተፍ። እንተዀነ ግን ወኻሪያ ብገለ ምኽንያት ኣብ’ቲ ዋዕላ ደንጉያ ክትኸይድ እንከላ፡ ደርሆ ክትጽሕትር ጸኒሓታስ፡ ኣንቲ ደርሆ እንታይ ደኣ ትገብሪ፡ ሎሚ መዓልቲ’ኳ ኣድማ ንምግባር ዋዕላ ዝካየደሉ እዩ እሞ ንኺድ ትብላ። ደርሆ ከኣ ኣነ ግዜ የብለይን፡ እንተዀነ ከኣ እቶም ተሳተፍቲ ትሰማምዕሉ፡ ኣነ ከም ዝሰማማዕ ንዋዕላ ንገርለይ በለት። ወዮ ወኻሪያ ነዛ መልእክቲ ሒዛ ኣብ ዋዕላ ደበኽ በለት። ዋዕላ ተዛትዩ ምስ ወድአ፡ ነቲ ወሪድዎም ዘሎ ጥምየትን ደርቕን ጸገም ዝፍውስ፡ እንተተመሰለሎም ሕሩድ ክቅርቡን ደም ከፍሱስን፡   ሓሳብ ይቐርብ። እሞ ሓደ ካብ’ዞም ተሳተፍቲ ዋዕላ ይቕረብ ተባሂሉ። ዋዕላ ሓድሕዱ ተጠማሚቱ ጠጠው ኮነ። ሃንደበት ወኻሪያ ተሲኣ ሓሳብ ኣሎኒ በለት እሞ፡ ሓሳባ ክትገልጽ ዕድል ተዋህባ። እወ ኣንትቦ ናብ’ዚ ዋዕላ እንዳመጻኹስ ደርሆ ክትጽሕትር ረኺበያ፡ ስልምንታይ ዋዕላ ዘይትኸዲ ኢለ ምስ ሓተትክዋ ከኣ ግዜ የብለን ግን እቲ ዋዕላ ዘጽድቆ ውሳኔ ኩሉ ክሰማማዕሉ’የ ስለ ዝበለት ንደርሆ ዘይንሓርዳ በለት። ዋዕላ ከኣ ተሰማምዐ እሞ ንደርሆ ሓረድዋ፡ (ህዝቢ ሰሓቕ) ክሳብ ሕጂ ከኣ ደርሆ ክትሕረድ ትነብር ኣላ፡ ኢሉ ጽውጽዋይ ወዲኡ ናብ ቁም ነገሩ ተመልሰ እቲ ሓታታይ። እሞ ሕጂ ከኣ ንስኻትኩም ኣብ ክንዲ ኣብ’ቲ ዋዕላ ከይድኩም ንዘሎ ጌጋታታት ክትዕርዩን ክትብድሁን ኣብ ቦታ ዋዕላ ክትህልዉ ይግባእ፡ እንተዘይኮይኑ በቲ ኣብ ዋዕላ ዝሓልፍን ዝጸድቕን ውሳኔታት ከምታ ደርሆ ግዳይ ክትዀኑ ኢኹም በሃላይ’የ። ተፈጸመ። 

ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ዋዕላ ነዚ ሓታታይ ዘቅረቦ ጽውጽዋይ ከም’ዚ ዝስዕብ ይብሎ። እወ ሓቕኻ፡ ሓሸኻ ደርሆ ተሰማሚዓ ግን ብዘይወዓለቶ ኣኼባ ባይቶ ክትሕረድ ተፈሪዳ። እንተዀነ ንሕና ነቲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ብመሰረቱ ዝተቃወምና’ና እምበር፡ ከም’ታ ናትካ ደርሆ መዓስ ተሰማሚዕና፡ ክብል መለሰሉ። (ህዝቢ ስሓቐ)

ብሓቒ ሓቐኛ ኤርትራዊ ዋዕላ፡ ብቁም ነገሩን ስሓቑን፡ ፍቅሩን ስኒቱን፡ ኣብ ሓደ ገዛ ሓድሕዱ ተጸዋዊሩ፡ ዝተፈላልየ ርእይቶን ሓሳብን፡ ንሕርቃንን ጽልእን ዘይኮነስ ብዋዛን ቁምነገርን ምስላታትን’ዩ። እዚ ከኣ ይሃብኩም ይሃብነ ዘብል፡ ግሩም ሰናይ ሕውነታዊ ፈስቲቫል፡ ብዓቕሙን ክእለቱን ዝተመሰረሉ ኣካ ረአና ይበል ዘብል ፈስቲቫል እዩ።

ኣዳለውቲ ፈቲቫል 2010 ብዘካየድዎ ልዑል ጻዕርን ድኻም፡ ዕዉት ዝዀነ ፈስቲቫል፡ ዕግበት ዘረጋገጸ፡ ቀጻልነት ቃልሲ፡ ንመኽተ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዝለዓለ ግጥሚያን፡ ንቕሓት ዘዕጠቐ፡ ህዋ መንፈስ ሰኒት ፍቕርን ዝወረዶ ፈስቲቫል ክግበር ብምብቕዑ ምስጋን ይብጻሓዮም።

ስኒትን ፍቕርን ምስ ኩሉ ይኹን

ክንዕወት’ና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1355

Posted by on Aug 14 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net