ጋዜጣዊ መግለጺ

ሃገራዊ   መትከላዊ  ሰልፊ  ኤርትራ

ነሓሰ   31/ 2010

ሃገራዊ  መትከላዊ  ሰልፊ  ኤርትራ ኣብ  ዉሽጢ  ሓደ ዓመት  ኣካላቱ  ሰሪዑ ፡ ንኹሉ ማእዝናት ተቓዉሞ  ገምጊሙ  ምድንፋዕ  ዲሞክራስያዊ  ሓይልታትን  ምልዕዓላት ህዝብን  በቲ  ሓደ ፡  ምልሕላሕ  ስርዓት ኣስመራን   ምንጻሉ ካብ ሕብረተ ሰብ ዓለምን በቲ ኻልእ፡ ኣድቒቑ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ገለ ኣባላት  ካብቲ ኣብ  ዉሽጢ ሃገራዊ  ኤርትራዊ  ግንባር ሓድነት   ንሓደ ዓመት (2008–ክሳብ 2009  ) ዝጸንሑ ብዓበይቲ  ናይ ኣረኣእያ  ፍልልያት  ዝወጽኡን  ዝሰሓቡን  ሓቑፉ  ምስ  ኩሎም ኣብ ዉሽጢ ኤርትራን ኣብ ደገን ዘለዉ ዲሞክራስያዉያን  ኣካላት  ተወሃሂዱ ክሰርሕ  ወሲኑ፡፡

በቲ  ኣብዚ እዋንዚ ዝተራእየ  ትስፍዉ ናይ ቃልሲ መድረኽ  ኣብ  ሃገራዊ  ዋዕላ  ዝተኸስተ  ረዚንን  ሓላፍነታዉን ጉዕዞ  ሽሕካ  ነቲ( መሰል ብሄራት ክሳብ ምንጻል) ዕቃቤታት እንተለዎ    ን ስሙር ኣበጋግሳኡን     ጻዕርታት  ኣካየድቱን ሚዛን  ብምሃብ  ንዕላማታቱ  ንምዕዋት ንቕድሚት ክደፍኦን ፡ ንዉድቀት  ምልካዊ ስርዓት  ምስኡ ሓቢሩን ተወሃሂዱን ክሰርሕ  ድልዉነቱ  እናረጋገጸ ፡ ብ ኣጋጣሚ  ታሪኻዊ መዓልቲ   ባሕቲ መስከረም   ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ  ዕላማታቱን መርገጺኡን  ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን  ሕብረተ-ሰብ ዓለምን ይገልጽ።

                                                                 ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ  ///

                                                               ዉድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኣስመራ///

                                                     ክብርን ሞጎስን ንሰማእታት///

                                    ግዚያዊት  መሪሕነት  ሃገራዊ  መትከላዊ  ሰልፊ ኤርትራ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1458

Posted by on Sep 1 2010 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net