ጸብጻብ አኼባ ሃገራዊ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ- ስዊደን ብኣባላት ኮሚስዮን

ብመሰረት እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ መርበብ ሓበርታታትን ብስልክን ብኢመይልን ዝትዘርግሔ መጸዋዕታ ሕዝባዊ አኼባ ትማሊ ቀዳም ዕለት 16 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆም ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ሰባትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻዪዱ።

እቲ ኣኼባ ካብ ሰዓት  ሰለስተ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሽት ተሰላሲሉ።

አብ መኽፈቲ አኼባ ሓው ኪዳነ ተክለ ኣባል ኮሚስዮን ሓላፊ ሕዝባዊ ውደባን ስርርዕን ናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ሰላምታ ድሕሪ ምቅራብ ቀጺሉ ብሕጽር ዝበለ ድማ ትሕዝቶን ዕላማታት ናይ አኼባ ገሊጹ።

ኣብቲ አኼባ ኣባላት ኮሚስዮን ጨንፈር ስዊደን ብምሉኣቶም ተረኺቦም ነበሩ።

ቐጺሉ ኢድሪስ ኑር ኣባል ኮሚስዮን ሓላፊ ሕዝባዊ ውደባን ስርርዕን ብፓወር ፖይንት ገሩ ብቀደም ትኸተል ካብ ምጅማር ዋዕላ ክሳብ ምቋም ኮሚስዮን ከምኡ ድማ ኣቋቁማ ቅርጻ ኮሚስዮንን ስራሓታን ብዝርዝር ንኣኼቤኛታት ኣቅሪቡ። እቲ ሓበረታ ብስእልን መግለጽን ብሓቂ ኣዕጋቢ ነበረ።

እቲ አኼባ ብክልቲኡ ቋንቋታት ትግሪኛን ዓረብን ሰለዝነበረ ናይ ምትርጓም ጸገም ኣይነበረን፣ ሓው ዓብደልካሪም ሙስታፋ ኣባል ኮሚስዮን ሓላፊ ዜናን ሓበረታን ብቋንቋ ዓረብ ኩሉ ነቲ ብስእሊ ዝቀርብ ዝነበረ መገልጽታት ብሰፊሑ ገሊጽዎ።ወሮ ዐይሻ ጋኣስ ኣባል ኮሚስዮን፣ ሓላፊት ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ጉዳያት ስራሓት ፖሊቲካዊ ጉዳያት እንታይ ምዃኑ ገሊጻ።

እቲ ቀንዲ መካትዒ ነጥብታት መዝነትን ስራሓትን ኮሚስዮን ነበረ።

ውድባዊ ቅርጻ ኮሚስዮን መን እንታይ ኢዩ መዝነቱ እንታይ ኢዩ ስራሑ ተገሊጹ፣

እተን ኣርባዕተ መደባት ስራሕ፣

1.     ሕዝባዊ ውደባን ስርርዕን፣ መን ምዃኖምን ስራሖም ከመይ ክስራሕ ከምዘለዎን ሓቢሮም፣

2.     ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ኮምስዮን ድማ ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሓቶም እንታይን ከመይን ክስራሕ ከምዘለዎ ሓቢሮም፣

3.     ዚናውን ሓበረታውን ኮምስዮን ኣባላት እውን ናይ ስራሖም ዕቅድን ኣስራርሓን ከመይ ከም ዝኾነ ንሕዝቢ ገሊጾም፣

4.     ቁጠባውን ገንዘባውን ኣሰራርሓ ሓላፊ ብጨንፈር ደረጃ ከመይ ክስራሕ ከምዘለዎ ብሓጺሩ ሓቢሮም።

ድሕሪ ናይ ክልተ ሰዓታት መግለጺ ናይ ፍርቂ ስዓት ዕረፍቲ ኮይኑ፣ ኣብ ዕረፍቲ ሻህን ቡንን ቁርስን ንኣኼበኛታት ቀሪቡ፣ ድህሪ ዕረፍቲ ከምቲ መደብ ኣኼባ ኣብቲ ዝቀረበ ናይ ሕዝቢ ክትዓት ተኣትወ።

ሕዝባዊ ዝርርብ

ኣብ ካልኣይ ክፋል ኣኼባ ሓለፍቲ አኼባ ኮሚስዮን ንሕዝቢ ናይ ሕቶን መልሰን ቀጺሎም ድማ ኣብ ዘይበርሀ ጉዳያት ንዝያዳ ክገልጹን ክበራርሁን ንኣኼበኛታት ዕድል ከፈተ። ኣኼበኛታት ብብተርታ ክሓቱን ክመያየጡን ምስ ተኸፍተ፣ እቲ ዝቀርብ ዝነበረ ሕቶታት ካብ ናይ ኮሚስዮን ሓላፍነት ንላዕሊ ብምንባሩ ገሊኡ ድማ ካብ ኣርእስቲ ወጻኢ ብምንባሩ፣ ኮሚስዮን ነዚ ሕቶታት ግቡእ መልሲ ብምሃብ መሊሳቶም፡፤ ገለ ሕቶታት ድማ ወድዓውን ግብራውን ብምንባሩ ንኣብነት እቲ ስራሕ ቀሊል ከምዘይኮነን እቲ ምቅርራብ ካብ ብሕጂ ጀሚሩ ክስራሕን፣ ምኽትታልን፣ ናይ ስራሕ ምምዛንን የድሊ ኩሉ ነገር ብሃታ ሃታ ክኸውን የብሉን ዝብል ነበረ።

እቲ ኩሉ ዝቀረብ ዝነበረ ርእይቶታትን፣ ሓሳባትን ንስራሓት ኮሚስዮን ንምዕዋት ዝሕግዝን ዘዕውትን ነበረ።

ኣብ መደምደምታ ሓደ ካብ 20 ንላዕሊ ኣብዚ ናይ ዝተፈላለየ ስራሓት ኮሚስዮን ብጨንፈር ስዊደን ንክሳተፉ ኣስማቶም ኣቅሪቦም ኣለዉ፡ ገሊኦም ዛጊት ኣብቲ ከወፍዩሉ ዝኸእሉ መዳይ ስራሕ ክኣትዉ ምዃኖም ንነፍሰ ወከፍ ሓላፊት ኮሚስዮን ኣፍሊጦም ኣለዉ፣ እቶም ሽሞም ኣቅሪቦም ዘለዉ ድማ ኣብቲ ዝደልይዎ ስራሓት ተመቃቂሎም ክሰርሑ ምዃኖም ንኮምስዮን ጨንፈር ስዊደን ከፍልጥዋ ኢዮም። ኣብ ዝመጽእ ኣኼባ ኣብ ነፍሰ ወከፍ መደብ ስራሕ ክሳብ ክንደይ ኮሚተታት ከምዘለዉ ክሕበር ኢዩ። እቲ አኼባ ናይ ስራሕ ኮሚተታት ኣውጺኡ ስራሑ ከምዝጀመረ በዚ ኣኼባዚ ኣረጋጊጹ።

ኣባላት ኮምስዮን- ጨንፈር ስዊደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1676

Posted by on Oct 18 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net