ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤዲኪ ቆይማ፡

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ጉባኤ ኤዲኪ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንክግበር ብዝወሰኖን ንተግባራውነቱን ክትትሉን ዝምልከት ከኣ ንፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት ምሃቡን ይዝከር። በዚ መሰረት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡ ንጉባኤ ተዳሉ ኣርባዕተ ኣባላት ዝሓቖፈት ሽማግለ ካብ ውሽጢ ኣባላት ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት መዚዙን መምርሒ ሂቡን።

እታ ዝተመዘት ሽማግለ ከኣ ብ29 ጥቅምቲ 2010 ፈላሚ ኣኼባኣ ኣካይዳ። ኣብ ፈላሚ ኣኼባኣ፡ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዕዉት ኮይኑ ንክዛዘም ኣገደስቲ ዝኾኑ ዝርዝር መደባት ሓንጺጻ፡ ናይ ግዜ መቓን ኣነጺራ ተበጊሳ ኣላ። ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤዲኪ ኣቦ-መንበር፡ ሰክረተር፡ ቁጠባን ዜናን ዘማእከለት ኮይና ንመሓመድ ሰፈር ብኣቦ-መንበርነት ክመርሕ ብምምራጽ ፈላሚ ኣኼብኣ ዛዚማ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ኤዲኪ

29l10l2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1731

Posted by on Nov 4 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net