ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ የተቦሪ

ብኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝምራሕ ኣገዳሲ ህዝቢ ኣኼባ ኣብ ከተማ የተቦሪ – ሽወደን ክካየድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ንክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም። ኣኼባና፡ ብዛዕባ ውጽኢት እቲ ብዓወት ዝተሰላሰለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ከምኡ’ውን ብዛዕባ መደብ ዕዮ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላን ምስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዑምቍት ክዝቲ ኢዩ። ኤርትራዊ ዜጋ፡ ሃገራዊ ሓልፍነቱ ተገንዚቡ፡ ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ሃገራዊ ጉባኤን  ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንክረጋገጽ ብሓባር ንክንብገስን ፡ ግዴኡ ንኸበርክትን፡ መድረኻዊ ሕቶ ምዃኑ ከነተሓሳስብ ንፈቱ።

ስለ’ዚ ኩሉኹም ተካፈልቲ ኣኼባ  ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ግዜን ቦታን ሰዓትን ኣኼባና ክጅምር ስለ ዝዀነ  ግዜኩም ኣክቢርኩ ንክትመጹ ኣጥቢቕና ንላቦ ፡፡

ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት፡      ሰንበት 07/11/2010

ኣኼባ ዝካየደሉ ስዓት፡   ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 17፡00

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ፡      Beväringsgatan 9 Göteborg

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ብደሓን ምጹ !

ማሕበር ጥርናፈን ፍትሕን ኤርትራውያን – የተቦሪ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1743

Posted by on Nov 5 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net