News

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተማ የተቦሪ

ብኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝምራሕ ኣገዳሲ ህዝቢ ኣኼባ ኣብ ከተማ የተቦሪ – ሽወደን ክካየድ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ዜጋ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ንክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም። ኣኼባና፡ ብዛዕባ ውጽኢት እቲ ብዓወት ዝተሰላሰለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢን ከምኡ’ውን ብዛዕባ መደብ ዕዮ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላን ምስ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብዑምቍት ክዝቲ ኢዩ። ኤርትራዊ ዜጋ፡ ሃገራዊ ሓልፍነቱ ተገንዚቡ፡ ኣብ መስርሕ ምስንዳእ ሃገራዊ ጉባኤን  ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንክረጋገጽ ብሓባር ንክንብገስን ፡ ግዴኡ ንኸበርክትን፡ መድረኻዊ ሕቶ ምዃኑ ከነተሓሳስብ ንፈቱ።

ስለ’ዚ ኩሉኹም ተካፈልቲ ኣኼባ  ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ ግዜን ቦታን ሰዓትን ኣኼባና ክጅምር ስለ ዝዀነ  ግዜኩም ኣክቢርኩ ንክትመጹ ኣጥቢቕና ንላቦ ፡፡

ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት፡      ሰንበት 07/11/2010

ኣኼባ ዝካየደሉ ስዓት፡   ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 17፡00

ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ ፡      Beväringsgatan 9 Göteborg

ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ብደሓን ምጹ !

ማሕበር ጥርናፈን ፍትሕን ኤርትራውያን – የተቦሪ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top