መልእኽቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተቐበሎ ህዝባዊ ሓደራ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕማም ምዃኑ ብምስትውዓል፡ ኣብ ሎጎ /ኣርማ/ ምውጻእ ሰፊሕ ተሳትፎ ሰብ ሞያ ንምርግጋጽ፡ ንኹሎም ሞያ ዘለዎም ዜጋታትና ብወርሒ መስከረም 2010 ጻዊዒት ምግባሩ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ብመሰረት ጻውዒት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን 49 ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ምሩጻትን ስሓብትን ንድፊ ሎጎታት /ኣርማታት/ ከም ዝበጽሓና ነረጋግጽ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንኹሎም ግዚኦም ኣወፍዮም ተሳትፍኦም ዘረጋገጹ ሞያውያን ዜጋታትና ልዑል ምስጋንኡ የቕርብ። ካብቶም 49 ዝቐረቡ ንድፊ ሎጎታት /ኣርማታት/ ሓሙሽተ ብውድድር ብድሕሪ ምሕላፍ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚኣ ሎጎ’ዚኣ ብኣብዝሓ ድምጺ ዕውቲ ክትኸውን ምብቕዓ ብሓጎስ ከነበስር ንፈቱ። ንተዓዋቲ በዓል ሞያ ናይዛ ታሪኻዊት ኣርማ’ዚኣ ዝኾነ ክቡር ሓው ሳልሕ ቓዲ ከኣ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ እንቋዕ ሓጎሰካ ሓጎሰና ብድሕሪ ምባል፡ ነቲ ዘይሕለል ጻዕርታቱን ተወፋይነቱን ልዑል ኣኽብሮቱን ምስጋናኡን ይገልጽ።

ስለዚ ካብዚ ዕለት’ዚ ጀሚሩ ከኣ ዕላዊ ሎጎ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ እዛ ብዕሊ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ትዝርጋሕ ዘላ ሎጎ /ኣርማ/ ምዃና የረጋግጽ። ዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ነዚኣ ኣርማ’ዚኣ ንህዝብና ከምኡ’ውን ንኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምልላይ ከምቲ ልሙድ እቲ ልሉይ ኣውንታውን ንጡፍን ህዝባዊ ተርኦም ክጻወቱ ምኻኖም ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይአምን።ብተወሳኺ ኮምሽን ንኩሉ ደላይ ለውጢ ፈቲሕን ዲሞኽራሲን ነዛ ሎጎ (ኣርማ) ኺውንናን፡  ኣብ ፈይስቡኽን፡ ቲዊተርን፡ ስካይቪን፡ ፓልቶኽን፡ ኢ-መይልን ኣብካልእን መልለይ ኪገብራ ኮምሽን ይላቦ፡፡   ገለ ካብቲ ሓፈሻዊ ትርጉም ሎጎ /ኣርማ/ ከኣ ብከምዚ ዝስዕብ ክንበብን ክትሓዝን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክሕብር ይፈቱ።

  • ካርታ ኤርትራ ንኹሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ብዘይዝኾነ ኣድልዎ ብማዕረ ትብጽሖምን ብምክብባር ዝነብሩላን ሃገር ምዃና የመልክት።
  • ጻዕዳ መስመር ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎሮባብቱን ማሕበረ ሰብ ዓለምን ብሰላምን ምክብባርን ክነብር ዘለዎ ድሌታትን ባህግታትን የመልክት።
  • ቆጽሊ ኣውሊዕ ስጡም ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክዓስል ዝግብኦ ፍቅሪ፡ ስኒት፡ ባህግን ተስፋን የመልክት።
  • ጻዕዳ ርግቢት ኣብ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ንምርግጋጽ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝግበር ዕቱብ ጻዕርታትን ተወፋይነትን የመልክት።
  • ሰማያዊ ምድሪ ኣብ ኤርትራ ምዕሩይን ፍትሓውን ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ፡ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዜጋታት ብሕድሕዳዊ ምክብባርን ምጽውዋርን ዝግበር ስልጡን ዘተን ልዝብን የመልክት።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

16 ሕዳር 2010

ENCDC2011@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1806

Posted by on Nov 18 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net