News

ህዝባዊ ኣኼባ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ – ኣበባ

ኣብ ካላኣይ ማዓልቲ፡ ዒድ-ኣል-ድሓ ሙባረክ ረቡዕ 17/11/2010 ሰልፊ ናህዳ

ኤርትራ ጨንፈር  ኣዲስ  ኣበባን ፡ ካብ  ማዓስከራት ስደተኛታት ሽማልባን

ማይ-ነፍሕን ዝመጾ ኣባላትን፡ ዝተሳተፍዎ ዓቢ ኣኼባ ተኻይዱ ።

ብምኽንያት ዒድ ምዕያድ ኣብ ዝተረኸብሉ ዓቢ ኣገጣሚ ናይ ሓጎስ ማዓልቲ

ንዝተረኽበ ዕድል ብምጥቃም ሓዎ ዓ/ራሕማን ጣሃ-ኑር ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ   ህሉው ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ሕሉፍ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ፡  ከምኡ”ውን  ኤርትራ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲዊ ለውጥን ዘሰላስሎ ዘሎ ስራሓት ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት  ኩሉ ኤርትራዊ  ኣብ ዝርክቦ  ቦታ ብፍላይ መንእሰያት  ብሓፈሻ   ህዝቢ ኤርትራን  ግብራዊ ተሳታፍነት ክገብሩ ክምዘለዎም ተርኦም ዓቢ ምዃኑን እቲ ጉባኤ ኣብቲ ተወሰነሉ እዋን ክካየድን  እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ዘሎ ሰላም ክሰፍንን ካብ ማእሰርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ክላቀቅን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ካብ ኣኼበኛታት ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ዝድሊ  ነገራት  ክበርሃሎም  ሕቶን  ርኢቶን ድሕሪ  ምቅራብ ፡  በዚ ምኽንያት ብስልፊ ዝተዳለወ  (ምሳሕ) ብሓባር  ተመሲሖም ።

ቤት/ ጽሕፈት

ክፍሊ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top