ህዝባዊ ኣኼባ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ኣዲስ – ኣበባ

ኣብ ካላኣይ ማዓልቲ፡ ዒድ-ኣል-ድሓ ሙባረክ ረቡዕ 17/11/2010 ሰልፊ ናህዳ

ኤርትራ ጨንፈር  ኣዲስ  ኣበባን ፡ ካብ  ማዓስከራት ስደተኛታት ሽማልባን

ማይ-ነፍሕን ዝመጾ ኣባላትን፡ ዝተሳተፍዎ ዓቢ ኣኼባ ተኻይዱ ።

ብምኽንያት ዒድ ምዕያድ ኣብ ዝተረኸብሉ ዓቢ ኣገጣሚ ናይ ሓጎስ ማዓልቲ

ንዝተረኽበ ዕድል ብምጥቃም ሓዎ ዓ/ራሕማን ጣሃ-ኑር ምክትል ኣቦ-መንበር ሰልፊ   ህሉው ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ሕሉፍ ታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ፡  ከምኡ”ውን  ኤርትራ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራሲዊ ለውጥን ዘሰላስሎ ዘሎ ስራሓት ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት  ኩሉ ኤርትራዊ  ኣብ ዝርክቦ  ቦታ ብፍላይ መንእሰያት  ብሓፈሻ   ህዝቢ ኤርትራን  ግብራዊ ተሳታፍነት ክገብሩ ክምዘለዎም ተርኦም ዓቢ ምዃኑን እቲ ጉባኤ ኣብቲ ተወሰነሉ እዋን ክካየድን  እቲ ህዝብና ዝጽበዮ ዘሎ ሰላም ክሰፍንን ካብ ማእሰርቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ክላቀቅን ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ካብ ኣኼበኛታት ንጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ዝድሊ  ነገራት  ክበርሃሎም  ሕቶን  ርኢቶን ድሕሪ  ምቅራብ ፡  በዚ ምኽንያት ብስልፊ ዝተዳለወ  (ምሳሕ) ብሓባር  ተመሲሖም ።

ቤት/ ጽሕፈት

ክፍሊ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1848

Posted by on Nov 25 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net