News

ኣኼባ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ጨንፈር ስዊድን ናይ 2010 ተኻይዱ

ጉባኤ ጨንፍር ስዊድን ንምክያድ  ኣብ  ዝግበር ዝሎ  ምቅርራባት  ብ ቀዳም  13/11/2010  ሓለፍትን ብዝሒ  ህዝብን   ዝተኻፈልዎ     ዓቢ ኣኼባ ተኻይዱ ኣኼበኛታት ብህሉው ኩነታትን ናይ   ዝሓለፈ   ስራሕ ድሕሪ ምዝታይ ኣወንታውን ኣሎታውን ስራሓት ገምጊሞም።

ከምኡ”ውን ኣድላይነት ጉባኤ ጨንፈር ንምክያድን ናይ ህዝቢ ጠለባት ብዝበለጸን ዝማዕበለን ሓዲሽ ፕሮግራም እተማልእን  ሓዳሽ መሪሕነት ንምምራጽን ጉባኤ 04/12/2010 ንኽካየድ ወሲኖም።

ኣኼበኛታት ዕዉት ጉባኤ ጨንፈር ስዊድን ንኽካየድ  ዘድሊ ርኢቶን   ለበዋን ድሕሪ ምቅራቦም  ብወገኖም ብኣሳናዳኢት ሽማግለ ዝጥለብ ኩሉ ክፍጽሙን ዕዉት ጉባኤ ክኸውን ቅሩብነቶም ኣረጋጊጾም።

ቤት/ ጽሕፈት

ክፍሊ ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ                                                                  

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top