News

ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ

 

ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ

ኣብ ከተማታት ካልጋሪን (Calgary) ፣ ዊኒፐግን (Winnipeg) ካናዳ

ንጽባሕ ቀዳምን ሰንበትን

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፣ ሰላምን ደሞክራስን፣

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ – ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ምስቶም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተሳተፉ ብምትሕብባር፣ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ’ቲ ከባቢታት ብዝቐረበሉ ጠለብ መሰረት፣ ንቀዳም ኣብ ከተማ ካልጋሪ፣ ሰንበት ድማ ኣብ ከተማ ዊኒፐግ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ክገብር ከምዝኾነ ይሕብር። ኣብ’ዚ ህዝባዊ ኣኼባታት ብዛዕባ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ፣ ከምኡውን ሃገራዊ ኮምሽንን ንጥፈታቱን መግለጽን ክህቡን ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ሕቶታት ክምልሱን ኣባላት ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩን መጀር ብርሃነ ተስፋማርያምን፣ ክርከቡ ስለዝኾኑ፣ ኩሉኹም ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጥን ደሞክራስን ክትሳተፉን ኣብ’ዚ ዝሕንበብ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ብዕትበት ክዋስኡን ብኽብሪ ንዕድም።

ካልጋሪ፣ ዝግበረሉ ቦታ፣         Indo Canada Association

826 Edmonton Trail NE Calgary AB T2E 3J6

ዕለትን ሰዓትን                   Saturday 27 November 2010 at 4:00pm

 

ዊኒፐግ፣ ዝግበረሉ ቦታ፣ University of Winnipeg, 2nd Floor Room 73

ዕለትን ሰዓትን             Sunday 28 November 2010 at 6:00pm

ብድሓን ምጹ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ዜናን ሓበሬታን ዞ/ሰ/ኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ENCDC2011@gmail.com

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top