መጸዋዕታ

                    ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተቐበሎ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ናብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ዕዮታቱ ብዕቱብ ምስልሳል ካብ ዝጅምር ድሮ ውሑድ ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ምህላዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ገለ ካብቲ እዋናዊ ዕዮታቱ ከኣ ንህዝብና ከምኡ’ውን ንኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ውጽኢት ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ንምግላጽን ምብራህን’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዋዕላ ዝተሰከሞ መዝነትን ዝሓዞም ዕማማትን ብንጹር ንምጭባጥ’ዩ። ከምኡ’ውን ሃገራዊ ጉባኤ ናብቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ሽቶኡ ንምብጻሕን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ነፍሲ ወከፍ ደላይ ለውጢ ዜጋ ኣብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ልሉይ ሓላፍነታዊ እጃሙ ንምብርካትን ምጽዋትን ምዃኑ ኣይዝንጋዕን።

ነዚ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርንዓት ዓለም ብሓልዮትን ምትሕግጋዝን ዝተፈላለዩ ኣካላት ሕ/ሰብና ክፍልታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብጣዕሚ ክተባባዕ ዝግብኦ ዕውትን ውዕዉዕን ህዝባዊ ኣኼባታት የካይዱ ምህላዎም ዘይሰሓት’ዩ። ህዝብና ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ ኣብ ሃገርና ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽ ዘለዎ ክቱር ባህግታት ኣብዚ ዕውት ኣኼባታት’ዚ ብግብራዊ ተሳትፍኡን ሓላፍነታዊ ልዝባቱን የንጸባርቕ ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባታቱ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓጋገዙ ብህዝቢ እምነት ዝተነበረሎም ህዝባዊ ሽማግለታት ይመዝዝ ምህላዉ ዘይኸሓድ’ዩ። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ሰናይ ተበግሶታት’ዚ ቀጻልነቱ ክርኢ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት እናገለጸ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ነቲ ካብ ህዝብና ዝግበረሉ ዘሎ ሞራላዊ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን ዕዙዝ ምስጋንኡ የቕርብ።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ሞራላዊ ምትሕግጋዝን ምትብባዕን’ዚ ወትሩ ኣብ ንቡር ታሪኻዊ ቦትኡ ህያዉ ምዃኑ የረጋግጽ። ካብዚ ዝዘለለ ግን ውጽኢቱ ናብ ዝተጨበጠ ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ዓይነታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምቅልጣፍን ከቢድ ዋጋን ጻዕርታትን ዝሓትት ጉዳይ ምዃኑ ይሕብር። ነዚ ክቡር ሃገራዊ ራእይ’ዚ ብክንድ’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ውጽኢቱ ናብ ዝተጨበጠ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዜጋታትን ኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን መንፈስ ስኒት፡ ምትሕቁቓፍ፡ ምጽውዋርን ምክብባርን ብምዕሳል፡ ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽንን ተሓጋገዝቲ ሽማግለታቱን ልባዊ ዝኾነ ምትሕግጋዝ ክግበር ይሓትት።

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዕማማቱ ብግቡእ ንምፍጻም ሞራላዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኩሉ እንተናዊ ደገፋት ህዝብና ዘድልዮ ምዃኑ ዘተሓታትት ጉዳይ ኣይኮነን። እዚ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕማም’ዚ ብዘይተሳትፎ ኩሉ እንተናዊ ዜጋታትና ክዕወት ፍጹም ዘይሕሰብ’ዩ። ስለዚ ህዝብና ከምኡ’ውን ኹሎም ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጢ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ፍትሓውን ቅዋማውን ስርዓት ንምህናጽን ዘይሕለል ድልውነትን ተወፋይነትን ከርእዩ ይጥለቡ። ብቀጻሊ ኣውንታውን ሃናጽን ሓሳባቶም ክልግሱ፡ ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዝወርዱ ጽማቕ ንድፍታት ዓሚቕ ክትዓት ከካይዱ ይሕተቱ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከኣ ብሞራል ከተባብዑን ብክንድ’ቲ ዓቕምታቶም ዘፍቕዶ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዛት ከበርክቱን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብክብሪ መጸዋዕትኡ የቕርብ።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

27 ሕዳር 2010

ENCDC2011@gmail.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1859

Posted by on Nov 30 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net