ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ፤

ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ኣባላት ኮሚሽን ነቲ ኣጀንዳ ኣብ ክልተ ድሕሪ ምኽፋል፡ ኣቶ ተኽላይ ኣብራሃ ዋዕላ ንኽካየድ ዝተኻየደ ቃልስን ብድሆታቱን ካብ 2003 ክሳብ 2010 ቀሊል ቃልሲ ከም ዘይነበረ ብድሕሪ ምግላጹ፣ ካብ ምቛም ኣዳላዊት ሽማግለ ክሳብ’ቲ ዋዕላ ዝተኻየደሉ መስርሕ ሕጽረታት ኣይነበሮን ክብሃል ከም ዘከኣል፣ ግን ከኣ እቲ ዋዕላ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እቲ ዋዕላ ነቲ ኣብ መንጎ ተኻፈልቲ ዋዕላ ዝነበረ ዘይምትእምማን ኣልጊሱ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ንቕድሚት ዝጥምት ዝያዳ ነቲ ህዝባዊ ጉባኤ እተዳሉ ኮሚሽን ኣቚሙ ንዝለዓለ ጥርናፈን ቃልስን ተበጊሳትሉ ዘላ እዋን ምዃኑ’ውን ኣብሪሁ። ጉባኤ ንሕቶ መሬትን ሕቶ ቋንቋን ኣብ ናይ ሓባር ተረድኦ ከም ዝበጽሐ ሓቢሩ።

ቀጺሉ ኣቶ ዳንኤል ተወልደ ናይ ኣመራርጻ ኮሚሽንን ናይ’ታ ካብ ኮሚሽን እተመርጸት ፈጻሚት ኣካልን ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣመራርጽኣን ኣብሪሁ።

ኣብ’ቲ ናይ ሕቶን መልስን መድረኽ ከኣ ኣገደስቲ ሕቶታት ከም እኒ ኮሚሽን ቅዋም ከተውጽእ ሓላፍነት ክህልዋ ይኽእል ድዩ? እተን ኣብ ዋዕላ ዘይተሳተፋ ውድባት ይኹና ሲቪካውያን ማሕበራት ንዝመጽእ ዘሎ ህዝባዊ ጉባኤ እዛ ኮሚሽን እንታይ ጸዓት ክትገብር እያ? ስክፍታታት ሕቶ ብሔራትን ብመንጽር ሓድነት ህዝብን እቲ ዋዕላ ብኸመይ ክምልስ ተገይሩ? ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ተላዒሎም። ኣባላት ኮሚሽን ነዚ ዝተጠቕሰ ሕቶታት ብጥንቃቐን ምስ’ቲ ደረት ሓላፍነቶም ኣተኣሳሲሮም ብኸፍቅደሎም ዝኽእል ኣዛሚዶም ዘዕግብ መልስታት ኣቕሪቦም።

ኣብ መደምደምታ ምስ ኮሚሽን ተሓባቢራ እትሰርሕ ሓንቲ ንኡስ ሽማግለ ብምቛ ስራሓ ብቐጥታ ክትጅምር ተላብዮም ኣኼባ ደምዲሞም።

ንኡስ ሽህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ከተማ ኒው-ዮርክ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1861

Posted by on Dec 1 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net