ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ህዩስትን፤

ኣብ ከተማ ህዩስትን ቀዳም 21 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣብዚ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብጻሕ ብዘካየድ ዘሎ ጻዕሪ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣባል ኮሚሽን ሓው ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ነቲ ኣብ ህዩስትንን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዱ።

ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዓላን ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ። ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ኣባል ሃገራዊት ኮሚሽን ኣብ ዘካየዶ ረከብ ተሳታፈነት ኣካላት ሕብረትስብና ብመንእሰያቱን ደቂ ኣንስቲዮን መደንፍዒ ኣብዚ ደሞክራስያዊ ቃልሲ አገዳሲ ምኻኑ ብጥብቂ ገሊጹ።ተመኩሮ ዋዕላ ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዚነበሩ ኣባላት ውን ተዘንቲዩ።ደሕሪ እኹል ግላጻን ሓበረታን፡ ኣኽበኛ ኣብ ሕቶን መልስን ትመሓላሊፉ: ካብ ሓተቲ ገለ ሰዓብቲ ህግደፍ ነበሩ: መሰሎም ከም ደቂ ሃገር መጠን ተሓሊዩ ሕቶም ሓቲቶምን ርኢቶኦም ሒቦም፡ ዝግባእ መልሲ ውን ትዋሂቡ፡፡

ብተውሳኺ ውን ገለ ኣካላት ተሳተፍቲ ኣብ ልዕሊ ዋዕላ ዘለዎም ዕቃበታት ገለጹ፡ ብመጠን ሕቶን ርኢቶን ካኣ ኣቶ ሃይለማሪያም ተስፋይ ዘዕግብ መልስን ሓበረታን ክውፊ ካኢኡ። እብ መደምደምታ ረከብና መራሕቲ ኣኸባ ንተሳተፍቲ ኣብ ቃልሲ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ንኸሳተፉ ዕድመ ኣማሓላሊፎም: ገለ ኣባላት ወን ስሞም ብምምዝጋብ ግዕዞ ቃልሲ ከተማ ህዩስቶን ተበጊሱ።

እዚ ህዝባዊ ኣኼባ ስዓት 4.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝጀመረ መሸት ስዓት 8፡00 ተዛዘመ።

ንኡስ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ከተማ ህዩስትን /ተክሳስ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1890

Posted by on Dec 2 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net