ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ ስቶክሆልም

ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ክሉ ቦታታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ዘሎ ዕቱብ ምንቅስቓሳት፡ ወከልቲ ጨናፍር ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ገዳይም ተጋደልትን ኣገደስቲ ሃገራውያን ባእታትን ዝተሳትፍዎን ብኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተማእከለ ኣገዳሲ ኣኼባ ብሰንበት ዕለት 28/11/2010 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ብዓወት ተሰላሲሉ። ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ፡ ንኩሎም ተሳተፍቲ ንዝቐረበሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ኣብ ኣኼባ ብምስታፎም ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣካየድቲ ኣኼባ፡ ብሃገራዊ ኮምሽን ኣብ ዝተፈለለየ ኩርናዓት ዓለም ሃገራዊ ዓቕምታት ህዝብና ብሓባር ንምጽማድ[cincopa AsGAZUqblzT5]

ዝተኻየደ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ብሰፊሕ ገሊጾም። ኣብ’ዚ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ ግደ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝዀነ ሓፋሽ ህዝብና ኣዚዩ ልሉይ ምንባሩ ብምሕባር፡ ኣባላት ሃገራዊ ኮምሽን ኣድናቖቶም ገሊጾም። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ንዕማማት ምስናዳእ ንሃገራዊ ጉባኤ ምስ ሃገራዊ ኮምሽን ተሓባቢሩ ዝሰርሕ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ንኡስ ሽማግለታት ይቐውም ምህላዉ ድማ ተሓቢሩ።

ኣብ ስቶክሆልም’ውን ብተመሳሳሊ፡ ንኡስ ሽማግለ ብምቛም ምስ ሃገራዊ ኮምሽን ብምትሓባባር ዕማማት ምስንዳእ ንሃገራዊ ጉባኤ ዘካይድ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክምረጽ ኣድላዪ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ሽወደን ዝነብር ህዝብና ከም ወትሩ መሪሕ ሃገራዊ ግደኡ ንክጻወት ጻውዒት ቀሪቡ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድማ ምስ’ዚ ርእይቶ’ዚ ብምስምማዕ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተጸዊዑ እዚ ዝድለ ዘሎ ሽማግለ ንኽምረጽ ተራዳዲኦም።

ኣኼባ ስቶክሆልም ሓላፍነታውን ግሉጽን ክትዓት ዝዓሰሉ ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ ብወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ከምኡ’ውን ኣብ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኩሎም ሃገራውያን ኣዚዮም ሃንጽቲ ሓሳባትን ርእይቶታትን ቀሪቦም። ጠቕላላ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ’ቲ ተወሲኑ ዘሎ ግዜ ንኽካየድን ብዓወት ንክወጽእን ድልየት ሰፊሕ ኣካላት ህዝብና ምዃኑ፡ ዕዉት ኣኼባ ስቶክሆልም ህያው ኣብነት ምንባሩ ተፈሊጡ።

ዓወት ንቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ !

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ሽማግለ ዜናን

29/11/2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1884

Posted by on Dec 2 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net