ኣብ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣኼባ ተኻይዱ ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ከኣ ተመሪጻ

ከተማ ኢንድያናፖሊስ ሓንቲ ካብተን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላን ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤን ኣኼባታት ዝተኻየደለን ከተማታት ናይ ኣሜሪካ ኢያ። እዚ ቀዳም 27 ጥቅምቲ 2010 ዝተገበረ ኣኼባ’ዚ፡ ኮምሽነር ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣብ መንጎና ተረኺቡ: እቲ ካብ 31 ሓምለ-9 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላን ብውጽኢቱ ዝተመርጸት ኮሚሽንን ከኣ ንምንታይ ነጻ ኮይና ከምዝቖመትን፡ እንታይ ዕማማት ከኣ ከተተግብር ምዃናን ብዘርኢ ጉዳይ ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ።

ቀጺሉ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ፡ እዛ ኮምሽን’ዚኣ ስራሓ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውን እናጎስጕሰትን ንሰፍሕ ህዝቢ ኤርትራ ኣሳታፊ ዝኾነ ስርርዕ እናኣካየደትን ሃገራዊ ጉባኤ ብዝምልከት ኣርእስታት ኣስተምህሮን ክትዓትን ዝካየደሉ መኣዲታት ዘተ ከሳልጥ ምዃና ገሊጹ። እዚ ዓውደ ትምህርታት ኣዚ ብወሓለታት ናይ ሕጊ ምሁራትን ብናይ ፖለቲካን ቁጠባን ካልእ ዓውደ ትምህርትን ኣፍልጦ ብዘለዎም ዜጋታት እናተማእከለ፡ ንሃገራዊ ጉባኤ ዘድሊ ምድላዋት ክትገብር ምዃናን፡ ኣሰራርሓኣ ድማ ነጻን ግሉጽን ንጹርን ብዝኾነ ኣገባብ ህዝብና ሐሳባቱ ገሊጹ ቅሬታኡ ዘስመዓሉ ክፉት መድረኽ ምዃኑን’ውን  ኣብርሀ።

ብድሕሪኡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ዝተረኽቡ ዋዕለኛታት ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶር. መንታይ መስመርን፡ ኣቶ ሃይለ ገብረትንሳኤን፡ ወ/ሮ ህይወት ገብረሚካኤልን ተወሳኺ ሓበሬታት ብምሃብ ነቲ ኣኼባ ኣሀብቲሞሞ። ኣብ’ዚ ልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝወደአ መግለጽን ክትዓትን፡ ካብ ከተማታት ሲንሲናቲን ሰይንትልውስን መጺኦም ንዝተካፈሉ ኤርትራውያን ኣብ ዘዘለውዎ ዓዲ ወከልቲ ናይ ኮምሽን ሽማግለታት መሪጾም ጎሳጓስ ከካይዱ መምርሒ ተዋሂቡ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ኢንዲያናፖሊስ 12 ዝኣባላታ ሃገራዊት ሽማግለ ንጉባኤ ተመርጸት። ነዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ኣብ ህዝቢ ነጢፋ ንኽትሰርሕ ተመባጺዓ ከኣ ኣኼባ ብዓወት ተደምደመ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1901

Posted by on Dec 3 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net