ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ደንቨር፣ ኣሜሪካ

ዝሰርሔን፡ ዘይተምበርከኸን ከምዝዕወት ጥርጥር የልባን።

ቃልስና ድማ ክዕወት ምኻኑ፡ ካየተሓልመ ዝተፈልጠ ኢዩ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 31-ነሓሰ 9, 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘሰከሞ ሓላፍነት መሰረት ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ዋዕላ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ህዝባዊ ኣኼባታት ከካይድን ህዝባዊ ሽማግለታት ከቕውምን ጸኒሑን ኣሎን። ከም ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ፡ ከተማና ደንቨር ኮሎራዶ ብዕለት 28 ሕዳር 2010 ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ብኣቦ-መንበር ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ጨንፈር ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ተኻይዱ። እዚ ብሃገራውያን ብጾት ኣባላት ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ዜጋታትን ዝተዳለወ ብብዝሒ መንእሰያት ዝተኻፈልዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኢዩ ኔሩ።

ኣኼባ ከምቲ ልሙድ ብዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋት፡ ኣቶ ተስፉ ኣጽብሃ ነቲ  ኣኼባ ብምምራሕ ንኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ምስ ኣኼበኛታት ኣላልዩ። ብድሕሪዚ መድረኽ ንብጻይ ኣቶ ሃይለማርያም ተዋህበ። ኣቶ ሃይለማርያም እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2010 ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ካብ መጀመርያ ክሳብ መጠረሽታ፡ ዘጋጠምዎ መሰናኽላትን፡ ዝሰገሮም ሕልኽላኻት፡ ዘዐወቶም ዛዕባታትን፡ ዝወሰዶም ውሳኔታትን መሰረት ብምግባር ዓሚቝ ዝርዝራዊ መግለጺታት ሂቡ። ኣቶ ሃይለማርያም ኣብ መግለጺኡ ኣብ ምምላሽ ሕቶ ሃገራዊ ሓድነት፡ ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ምርግጋጽ እቲ ሓደን መተካእታ ዘይብሉ እዋናዊ ጉዳይ ምዃኑ ዋዕላ ብዕምቍት ከምዝዘተየሎም፡ ከም ውጺኢቱ ድማ እዚ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ምልዕዓል ህዝባዊ ተቛውሞን ምቛም ህዝባዊ ሽማግለታት ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብድሕሪዚ ዕድል ንሕቶ መልስን ተኸፊቱ ሓያልን ርሱንን ክትዕ’ውን ተኻይዱ። ገለ ካብቶም ዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታት

  1. ጉዳይ ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ሃገራውያን ውድባትን ምንቅስቓሳትን ከመ’ዩ ክትሓዝ
  2. እቲ ክሕንጸጽ ተሓሲቡ ዘሎ መሰጋገሪ ቅዋም መን’ዩ ከተግብሮ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጸደቐ ቅዋም እንታ’ዩ ፍሉይ ዝገብሮ
  3. እቲ ዝቐውም ባይቶ ተሓታትነቱ ንመን’ዩ ክኸውን
  4. ድሕሪ ምቛም ባይቶ ንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እንታ’ዩ ክኸውን? ወዘተ… ዝብሉ ሕቶታት ቀሪቦም ግቡእ ምላሽ ድማ ተዋሂቡዎም።

ካብዚ ቀጺሉ እቲ ኣኼባ ኣብ ናይ ምቛም ህዝባዊ ሽማግለ ብምእታው ብዲሞክራስያዊ መንገዲ 15 ዝኣባላታ ሽማግለ ቆይማ። ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ማለት 29 ሕዳር 2010 እታ ዝተመርጸት ሽማግለ ዳግም ተራኺባ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መራሕታ መሪጻ፡ ወግዓዊ ቅርጺ ክትሕዝ ተጌሩ። ኣብዚ ዝተኻየደ ርክብ እዚ ቆይሙ ዘሎ ሽማግለ ዕዮታቱ ብግቡእ ንምስላጥ ብክፍልታት ክውደብ፡ ክፍልታት ድማ ዕዮ ገዝኤን ብዝቀልጠፈ ክጅምራ ብምስምማዕ ብቆጸራ ኣኼብኡ ዛዚሙ።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ከይጠቐስናዩ ክሕለፍ ዘይብሉ ከተማና፡ ከተማ ደንቨር ሓደ ካብቲ ህግደፍ ዝምክሓሉ መዓስከር ከምዝነበረ፡ እንተኾነ ብሓያል ቃልስን ጽንዓትን ሓያሎ ሃገራውያን ኣብ ሓጺር ግዜ ነበራየ ነበረ ከምዝኾነ፡ ናይዚ ነጸብራቕ ድማ እዚ ብቐጻሊ ዝምዝገብ ዘሎ ዓወታት ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩለን ከተማታት ነዚ ኣብነት ጌረን ተበግሶ ክወስዳ ንላቦ።

ንሎሚ እዚ ወድሓንኩም

ምቕናይ ምቕናይ፡ ኩሉ ንምርኣይ።

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ምጎስን ንጀጋኑ ስማእታኣትና

ይንዋሕ ይሕጸር ዲሞክራስያዊ ቃልስና ክዕወት ኢዩ !!!!

ንዘመናት ተንበርኪኹ ዝነብር ህዝቢ የልቦን !!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1904

Posted by on Dec 3 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net