News

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ

ኣብ ስቶክሆልም

ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ክካየድ ዝጸንሐ ኣኼባታት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንቀዳም ዕለት 11/12/2010 ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ሃገራዊ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ንክሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ መደብ ዕዮ ሃገራዊ ኮምሽን ሓበሬታ ክዋሃብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ርእይቶን ሓሳባትን ህዝብና ንምስማዕ ዝተዳለወ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ስቶክሆልምን ካባቢኣን  ንዝካየድ ዕማማት ኣብ ምስልሳል ምስ ሃገራዊት ኮምሽን ተሓባቢራ እትዋፈር ናይ ስራሕ ሽማግለ  ክትምረጽ ምዃና ድማ ንሕብር።

 

ስለ’ዚ እምበኣር ነፍስ ወከፍ ዜጋ፡ ሃገራዊ ሓልፍነቱ ኣለልዩን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ እነማዕድዎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ጌደኡ ንኸበርክትን፡ ኣብ’ዚ ተወሲኑ ዘሎ ኣገዳሲ ኣኼባ ንኽሳተፍ ነማሕጽን።

 

ዕለት፡ ቀዳም፡ 11/12/2010

 

ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታ፡ ሺስታ ትሬፍ Kista träff

 

ግዜ፡  15፡00 – 20፡00

 

 

ብደሓን ምጹ!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን

 

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ሽወደን

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top