ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ

ኣብ ስቶክሆልም

ከም መቐጸልታ ነቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ክካየድ ዝጸንሐ ኣኼባታት፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንቀዳም ዕለት 11/12/2010 ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣዳሊዩ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ሃገራዊ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ ንክሳተፉ ብኽብሪ ይዕድም። ኣኼባና ብዛዕባ መደብ ዕዮ ሃገራዊ ኮምሽን ሓበሬታ ክዋሃብ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ርእይቶን ሓሳባትን ህዝብና ንምስማዕ ዝተዳለወ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣብ ስቶክሆልምን ካባቢኣን  ንዝካየድ ዕማማት ኣብ ምስልሳል ምስ ሃገራዊት ኮምሽን ተሓባቢራ እትዋፈር ናይ ስራሕ ሽማግለ  ክትምረጽ ምዃና ድማ ንሕብር።

 

ስለ’ዚ እምበኣር ነፍስ ወከፍ ዜጋ፡ ሃገራዊ ሓልፍነቱ ኣለልዩን፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ እነማዕድዎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ጌደኡ ንኸበርክትን፡ ኣብ’ዚ ተወሲኑ ዘሎ ኣገዳሲ ኣኼባ ንኽሳተፍ ነማሕጽን።

 

ዕለት፡ ቀዳም፡ 11/12/2010

 

ኣኼባ ዝካየድሉ ቦታ፡ ሺስታ ትሬፍ Kista träff

 

ግዜ፡  15፡00 – 20፡00

 

 

ብደሓን ምጹ!

 

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን

 

ንዲሞክራስያዊ ለውጢ – ሽወደን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1909

Posted by on Dec 6 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net