ጨንፈራዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዓወት ተሰላሲሉ

ኣባላት  ጨንፈር  ለንደንን  ቤርሚንግሃምን  ትማሊ   ሰንበት  ዕለት 05/12/2010 ካብ ስዓት 12፡00   ድሕሪ- ቀትሪ  ጀሚሩ ስጋብ  ሳዓት 7፡00     ምሽት ዘካየድዎ  ጨንፈራዊ  ጉባኤኦም  ብዓወት  ተሰላሲሉ።

ጉባኤ ድሕሪ ምኽፋቱ ካብ ተጋባእቲ ዝተመዝዘት ስክረታርያ ሽማግለ ብዝምስገን

ሜላን ኣገባብን  እንዳኣለየት ንጉባኤ ክትመርሕ ኽኢላ።

New ENP – UK Branch Officers From left: Yassin Turkay, Musa Beshir, Yousuf Mohammed and Jamal Fitwi

ካብቲ ብዕለት   27/08/2006    ኣብ መሽራቲ ጉባኤ ስልፊ ዝጸደቐን ንኽትግበር  ዝተሓንጸጸን   ናይ ዕላማ   ነጥብታት ተደሪኻ እታ ዝሓለፈት መሪሕነት  ናይ  4 ዓመታት   ጸብጻብ  ድሕሪ   ምቕራቡ ተጋባእቲ ክማያየጥሉ ክኢሎም።

እቲ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ኽትግበር ዝግበኦ   ዘይተፈጸመ ናይ ዕላማ ነጥብታት ኣሉታዊ ሽነኻቱ ብምስትውዓል ዕንቅፋት ንዝኾኑ ምኽንያት ተመያይጠሙሉ ጥራይ ዘይኮነስ እዚ ጨንፈር እዚ ሓደ ካብተን ዝበለጻ ጨንፈራት ሰልፊ  ንክኸውን   ካብ ዝብል ኣምንቶ  ተበጊሶም ፍሉይ መደብ ዕዮ ኣምቢረሙሉ።

ክምኡ”ውን    ክምቲ ካብ ላዕለዋይ    መሪሕነት ስልፊ  ዝተዋህበ መምርሒ ንናይ ኣካያዲት      ሃገራዊ  ኮሚሽን    ኣብዚ ህሉው  ምግእዝ    ስራሕታ ንምዕዋት ኣውንታዊ ተኻፋልነቶም ንተሳታፍነቶምን ቀዳምነት ምስራሕ ኢዩ።

ኣብ  መደምደምታ ጉባኤ ሓዳስ  መሪሕነት ጨንፈር ሓላፍነት እትስከም ኣርባዕተ ዝኣባላታ ከምኡ”ውን ሓላፊ ማሕብር መንእሰያት  ተመሪጾም:: ተጋባእቲ ብሙሉእ ልቦናን ተወፋይንትን ብምስራሕ መደባት ሰልፊ ንኽተግብሩን ነታ ዝተመርጻት መሪሕነት ጨንፈር”ውን ንኽሕግዝዋን  ክተሓባበሩዋን ቃል ኣትዮም።

ቤት/ጽሕፈት ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

6/12/2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1927

Posted by on Dec 13 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net