News

ጨንፈራዊ ጉባኤ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዓወት ተሰላሲሉ

New ENP – UK Branch Officers From left: Yassin Turkay, Musa Beshir, Yousuf Mohammed and Jamal Fitwi

ኣባላት  ጨንፈር  ለንደንን  ቤርሚንግሃምን  ትማሊ   ሰንበት  ዕለት 05/12/2010 ካብ ስዓት 12፡00   ድሕሪ- ቀትሪ  ጀሚሩ ስጋብ  ሳዓት 7፡00     ምሽት ዘካየድዎ  ጨንፈራዊ  ጉባኤኦም  ብዓወት  ተሰላሲሉ።

ጉባኤ ድሕሪ ምኽፋቱ ካብ ተጋባእቲ ዝተመዝዘት ስክረታርያ ሽማግለ ብዝምስገን

ሜላን ኣገባብን  እንዳኣለየት ንጉባኤ ክትመርሕ ኽኢላ።

New ENP – UK Branch Officers From left: Yassin Turkay, Musa Beshir, Yousuf Mohammed and Jamal Fitwi

ካብቲ ብዕለት   27/08/2006    ኣብ መሽራቲ ጉባኤ ስልፊ ዝጸደቐን ንኽትግበር  ዝተሓንጸጸን   ናይ ዕላማ   ነጥብታት ተደሪኻ እታ ዝሓለፈት መሪሕነት  ናይ  4 ዓመታት   ጸብጻብ  ድሕሪ   ምቕራቡ ተጋባእቲ ክማያየጥሉ ክኢሎም።

እቲ ኣብ ውሽጢ 4 ዓመታት ኽትግበር ዝግበኦ   ዘይተፈጸመ ናይ ዕላማ ነጥብታት ኣሉታዊ ሽነኻቱ ብምስትውዓል ዕንቅፋት ንዝኾኑ ምኽንያት ተመያይጠሙሉ ጥራይ ዘይኮነስ እዚ ጨንፈር እዚ ሓደ ካብተን ዝበለጻ ጨንፈራት ሰልፊ  ንክኸውን   ካብ ዝብል ኣምንቶ  ተበጊሶም ፍሉይ መደብ ዕዮ ኣምቢረሙሉ።

ክምኡ”ውን    ክምቲ ካብ ላዕለዋይ    መሪሕነት ስልፊ  ዝተዋህበ መምርሒ ንናይ ኣካያዲት      ሃገራዊ  ኮሚሽን    ኣብዚ ህሉው  ምግእዝ    ስራሕታ ንምዕዋት ኣውንታዊ ተኻፋልነቶም ንተሳታፍነቶምን ቀዳምነት ምስራሕ ኢዩ።

ኣብ  መደምደምታ ጉባኤ ሓዳስ  መሪሕነት ጨንፈር ሓላፍነት እትስከም ኣርባዕተ ዝኣባላታ ከምኡ”ውን ሓላፊ ማሕብር መንእሰያት  ተመሪጾም:: ተጋባእቲ ብሙሉእ ልቦናን ተወፋይንትን ብምስራሕ መደባት ሰልፊ ንኽተግብሩን ነታ ዝተመርጻት መሪሕነት ጨንፈር”ውን ንኽሕግዝዋን  ክተሓባበሩዋን ቃል ኣትዮም።

ቤት/ጽሕፈት ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

6/12/2010

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top