ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ጀርመን

ትማሊ ቀዳም 11 ታሕሳስ 2010 ድሙቅ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ‘ዚ ሰላማዊ ሰልፊ’ዚ ካብ ዝተፋላለየ ከም ፍራንክፎርት፣ ስቱትጋርት፣ ካስል፣ ማንሃይም፣ ካርልስሩሀ፣ ከለን፣ ወዘተ…. ዝኣመሰላ ከተማታት ጀርመን ዝመጹ ኤርትራውያን ተኻፊሎም። ልክዕ ከም‘ቲ  ተመዲቡ ዝነበረ ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ህዝቢ ናብ‘ቲ ዝተመደበሉ ቦታ ብኣጋኡ በብኩርንዓቱ ክተኣኻኸብ ጀመረ።

ኣብ‘ዚ  እንታይነት ህግደፍ ዘቓልዕ “…. ኣቱም ሰባት ልብና’ባ ምለሱልና .… ኣቱም ሰባት ሰሚዕኩምዶ ጋዶ .… ሰይጣን ኣብ ርእስና ከም ዝሰርሔ ኣጉዶ …. ሓደ ልቢ እናበሉ ህግደፍ ክሰርቁና ልብና …. ቂድሚ ሕጂ ዘተላሎ የብቅ ንደርቁሶ ሓቢርና …. እንተደይኮይኑ  ፍጥረቱ ዝኻሓደ ስርዓት ከይልክመና …. ንገግበረሉ ልጓም ብሓደ ኰንና …. እናበለ ብሙዚቓ ዝተሰነየ ድሕሪ ምስማዕ ሰዓት ንቅሎ ምስ ኣኸለ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ፈረቓን ሰልፈኛ መስርዑ ሒዙ ብወተሃደራት ጀርመን ተሰንዩ ዝተፈቕደሉ ናይ ዑደት መደቡ ጀመረ።

ነፍስወከፍ ሰልፈኛ ነታ ብልዑል ፈጣሪኡ ዝተዓደለት ብህግደፍ ዝተመንዘዔት መሰል ህዝቡ ንምምላስ ዘንጸባርቅ ጭርሖታት ተሰኪሙ ብመጕልሕ ድምጺ እናጨደረ  ካብ መጀመርታ ጎደና ካይዘር ጀሚሩ፡ ብጋሉስ ኣንላገን ታውኑስ ኣንላገን ኣቢሉ፡ ማይዘር ላንድስትራሰ ረጊጹ፡ ናብ‘ቲ ዘብቅዓሉ ቦታ ክብጽሕ ተጓዕዘ።

መሰል ህዝብና ይተሓሎ፣ እሱራትና ይፈትሑ፣ ሳዋ የቅዕ፣ ምርሽሻን መንእሰያትና ዶዉ ይበል፣ ንኵሉ ኤርትራዊ ናይ ዑቕበኛ መሰል ይወሃቦ ወዘተ…. እናበለ ብትግርኛን ጀርመንኛን  በብተራ ብነድሪ ነቲ ከባቢኡ ብምድማጽ የስምዕ ነበረን፡ ነቶም ኣብ ጎደናታት ጠጠዉ ኢሎም ንሰላማዊ ሰልፍና ዝምልከቱ ዝነበሩ ጀርመናዉያን ምኽንያት ተቓውሞና ዝገልጽ ጽሑፍ ይዕደል ነበረ።

ኩነታት ኣየር ከተማ ፍራንክፎርት ማይ ኪፍክፍታ ዝነበሮን ኣዝዩ ቆራርን ይኹን‘ምበር፡ ሰልፈኛ ድምብርጽ ከይበሎ ጉዳዩ ክሳብ መጨረሽታ፡ ኣልት ኦፓ ዝበሃል ቦታ በጽሔ። ኣብ ሓደ ተኣኪቡ መግለጺ ሰላማዊ ሰልፊ ክንበብ ጀመረ፡ ቀዳማይ ናብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስትን ማዕከናትን ዘይመንግስታዊ ውድባትን ዝተላእከ ኤምባስታትን ብጀርመን ዝተጻሕፈ ተነበ፣ ብድሕሪኡ ወኪል ኮሚሽን ንሃገራዊ ጉባኤ ብተኽለሰንበት ተኽላይ፡ ኣብ ክንዲ ሲቪካውያን ማሕበራትን ህዝብን ብተስፋይ ተኽለ፡ ወኪል ደቀንስትዮ ኮሚሽን ንሃገራዊ ጉባኤ ብፍረወይኒ ገብረጻድቕ፡ ክንዲ ፖለቲካዊ ውድባት ብሰመረ በያን ተነበ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንመንግስቲ ጀርመንን ሓድነት ኤውሮጳን

–           ጉጅለ ህግደፍ ደቆም ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከይዶም ብምባል ዝካየድ ማእሰርቲ ስድራቤታት ጠጠው ከብል

–           ንነዊሕ ዓመታት ምኽንያት ዘይብሉ ማእሰርቲ ናይ ብዙሓት ፖለቲካውያንን ሃይሞኖታውያንን ደቂ ሃገር ክፍትሑ ጽቕጢ ከዘውትሩ

–           ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ጸቕጥታት ከገብሩ

–           ከምኡ‘ውን ንኵሉ ኤርትራዊ ናይ ፖለቲካዊ ዑቕበኛ መሰል ክወሃብ ጻውዒት ኣቐሪቡ።

ንሕና ንሓንቲ ሰላማዊትን ደሞክራሲያዊትን ማሕበራዊ ማዕርነት ዘለዋን ኤርትራ ምዃንና ኣረጋጊጹ።

ኣብ መጨረሽታ ንስዉኣትና እተንጸባርቅ መዝሙር ኣብ ቀላይ ኣብ ሜዳ፡ ኣብጎቦ፡ ኣብ ሩባ፡ ዝፈሰሰ ደምኩም፡ ኣብቍሉ ዕንባባ፡ እትብል መዝምሩ ተሰንዩ መደምደምታ ሰላማዊ ሰልፊ ኰነ።

ኣዳላዊት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ

ኤርትራዉያን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን

ብርገሳዊ ማሕበራትን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1931

Posted by on Dec 13 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net