ሽማግለ ሓጅን . ስቓይ ናይ ሓጃጂን

ጉድለት   መድቅሲ ሓጃጂን ኣብ መዲና መነወራ ቁጠዓ ሕብረተ  -ሰብ ኤርትራ መቓልሕን ስምብራትን   ጌሩ ከብሎ ዝኽእል ምኽኒያት  ኣማሓዳሪት ሽማግለ ሓደ ህንጻ ኣብ   ጥቃ መስጊድ ኣልነቢ ሰ/ዓ/ወ/ ተኻርዮም  ንሓጃጂን”ውን  በብሓምሳ  (50) ሰብ  እንዳኣጕዓዙ ንመዲና- ኣልመነወራ  ይልእክዎም ከምዘለዉ    ካብ ቁዱስ መሬት  ዝመጸና ምንጭታት ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ሓጃጂን ለሚዘበን 2010 ብዙሕ ዕንቅፋታት ናይ  ሞጕዓዝያ ጸገም ማለት ናይ ሓጅ ኣማሓደሪት ሽማግለ ክልተ ኣውቶቡሳት ጥራይ ስልዝቐረበትሎም ብወገን መግቢ እውን እቲ ዝሓሰረን ዘይጽፉፍን ዓይነት  ኮይኑ  ናይ ኣቃራርብኡ ሳዓታት እንተኾነ ጠገለ ሓዝል ኣይነበረን።

የግዳስ ሓጃጂን ብተደጋጋሚ ተቃውምኦም ናብታ ናይ ሓጅ ኣማሓደሪት ሽማግለ ከም ዓለምና ክንከውን ኣሎና ዝብል ጽቕጢ   ምስ ኣማሓላለፉ ፡ እታ ኣማሓዳሪት ሸማግለ    ንሓጃጂን     ራሕሪሓቶም   ንጅዳ ድሕሪ ምኻድ ፡ በቶም ብሙሉእ ድልየቶም ሕልንኦምን ብተወፋይነት ንኽተሕባበሩ ዝተበገሱ ኤርትራውያን ተማሃሮ ኣገልግልቶም የማልኡሎም ከምዝነበሩ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።

ሓጃጂን ኣብ ቁዱስ መሬት ምስ በጽሑ ዘድልዮም ነገራት ክዕድጉ ዘይመኽኣሊኦም ምኽኒያት እታ ናይ መሻርፍ መንቀሳቐሲት ተባሂላ ዝወጸት  ቼክ ሓሙሽተ ሚኢቲ (500) ርያል ሱዑዲ ገና ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጅዳ ምስበጽሑ    ካብ ነፍሲ–ወከፍ ንሓጅ ዝመጸ ሰብ በታ ሽማግለ ሓጅ እቲ ቼካታቶም ከምዝተሃገሪ ዝበጽሓና ምንጫ ሓቢሩ ።

ብተወሳኺ ዝኾነ ኤርትራዊ   ተቐማጢ ሱዑዲ- ዓረብ   ንሓጃጂን  ክበጽሕ ኣትዩ ክርእዮምን ስላም ንኽብሎምን ምስ ዝደሊ ሽማግለ ኣማሓደሪት (ናይ ብዕሳ )  ነፍሲ ወከፍ ሰብ 1000 ርያል  ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝኸፍል ኢዩ ስለ ዝበለት፡ በዚ ጉዳይ”ዚ ብርቱዕ ምስሕሓብን ሽግርን ስለ    ዝተረኸበ ኣብ ርያድ እትርከብ ቆንስል ኣብቲ ጉዳይ ክምዝተኣታተወት ተፈሊጡ።

ኣብ መንጎ ሽማግለ ሓጅን የመን ኣየር-ላይንን ጉንጺ    ክፍጠር ዝካኣለሉ ምኽነያት ሓጃጂን    መናስክ  ናይ ሓጅ ከማልኡ እንተኾይኖም  ቅድሚ ማካ ኣል-ሙከረማ ምኻዶም መዲና-ሙነወራ ክኸዱ ይግቦኦም ነይሩ።

እዝን ክንድዝን “ውን ካብቲ   ዝተመደበሎም ናይ ምምላስ ዕለትን ሳዓትን ክድናጎዩ

ኺኢሎም፡  የመን  ኣየር-ላይን   ድማ ኣብቲ (ቡኬንግ) ዉሱን  መዓልቱን ሳዓቱን ዘይተመልሰ ሓጅ ትኬቱ ከምዝሓረረ እየ ዝቆጽሮ   ክትብል ደጋጊማ ከምዝኣወጀት ተፈሊጡ።

ከይተጠቀሰ   ክንሓልፎ ዘይግባእ ኣቶ    ናስር ሓሊቦ ኣቦ-መንበር ሽማግለ ሓጀን ምሕደራን ካብ ዝሃቡ ቃል ንዓመታ ኡኹላት ኣውቶቡሳት ይኹን  ኣብ ጥቃ ሓረም

ህንጻ ተኻሪና ከነዳልዎ ኢና ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዓይነታት መግቢ”ውን ክማሓይሽ”ዩ ክብል ቃል ኣትዩ፡   ቃል ኣትዩ   ዘተግብር ሓላፊ   ኽኣ  ኣሎዶስ ውይስ ንህዝቢ ዘድንዝዝ ጥራይ”ዩ።

ቤት/ጽሕፈት ዜና

ስልፊ ናህዳ ኤርትራ

10/12/2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1939

Posted by on Dec 15 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net