ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታት ግሃድኤ ኣብ ኤዉሮጳ

ተጋዳላይ  ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ ሓላፊ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ዝመርሖ ልኡኽ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ብዕለት 18.12.2010 ኣብ ከተማ ብሩክሰል፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሕብረተ ኤዉሮጳ (International Relations) ኣገዳሲ ርኽክብ ከምዘካየደ፡ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓንና ዜና ሓቢሩ። ልኡኽ ቤ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታት ግ.ሃ.ድ.ኤ ምስ ላዕለዎቲ ሓለፍቲ ሕብረተ ኤዉሮጳ ኣብ ዘካየዶ ኣገዳሲ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ሰፊሕ መግለጺ ብምቕራብ፡ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ትሕቲ  ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ስደት ቦታታት ዘጋጥሞ ዘሎ ኣሰቃቒ ኩነታትን ኣብሪሁ። ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ  ብመንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን  ሓተትቲ ዑቕባ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዉን ሕጋዉን መሰላቶም  ደው ንኽብልን ሕጋዊ ፍታሕ  ንኽግብረሉን፡ ሃገራት ሕብረት ኤዉሮጳ፡  ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ግብጺ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጥታት ንኸካይዳ፡ ሓላፊ ቤ/ጽ ወጻኢ ዝምድናታት ተሪር ምሕጽንታ ኣቕሪቡ። ብተዋሳኺ’ውን፡ ነቶም ኣስታት 19000 ኤርትራዉያን ዑቕባ ክሓቱ ናብ ኢስራኤል ዝኣተዉ መንእሰያት፡ መንግስቲ ኢስራኤል ንስርዓት ህግዲፍ ንከየረክቦም፡ ሕብረት ኤዉሮጳ ዝካእሎ ጻዕርታት ንከካይድ ልኡኽ ግሃድኤ  ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።

ተጋዳላይ ዶር, ዩሱፍ ብርህኑ፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ሃገር ኣመልኪቱ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሩቡ። ብጉዳይ ቃልሲ ህዝብና ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ብዝምልከት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባሌታት ድሕሪ ምምዛን፡ ዉጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ዕዉት ምንባሩን፡ እታ ኮሚሸን ዕማማታ ኣብ ምስልሳል ከም ኣትርከብን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ስሉስ ዓለም ዲሞክራሲ ንምትእትታዉ ሓደ ዓንቀጽ ካብ ዓንቀጻት ስምምዕ “ሎሚ” LOME ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለዉጢ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ዕቱብ ቃልሲ ህዝብና ንክዕወት፡ ሕብረት ኤዉሮጳ ንኮሚሸን ዋዕላ  ብንዋታዉን ኒያታዉን ደገፎም ከሰንዮ ተላቢዩ።

ሰበ ስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብላዕለዋይ ልኡኽ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ዝቐረበሎም መግለጺ ምስጋንኦም ብምቕራብ፡ ነቲ ብመንግስቲ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ወሪዱ ዘሎ ሽግር ብዕቱብነት ክከታተልዎ ምዃኖምን፣ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ድማ፡ ምስ መንግስቲ ግብጺ ንምዝርራብ ካብ ብሩክሰል ልኡኽ ክሰድዱ ምኳኖም ከም ዘረጋገጹን ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓንና ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ። ከምኡ’ዉን ብዛዕባ እቲ ካልእ ጉዳያት ግቡእ ቆላሕታ ከንብሩሉ ምዃኖ ከም ዝገለጹ’ውን ተፈሊጡ።

እዚ ናይ ዕለት 18/12 ርኽክብ ብሩክሰል፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ብግ.ሃ.ድ.ኤ. ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ፡ ካብ ነዊሕ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ብተግባር ክሰላሰል ዝጸንሐ ዕዉት ምንቕስቓስ ምዃኑ ክጥቀስ ይግባእ። እቶም ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ናብ ሊብያን ግብጽን ዑቕባ ዝሓተቱ መንእሰያት ደቂ ሃገር ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎን ኢ-ሰብኣዊ ኣተኣላልያ፡ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ግሃድኤ ነዚ ኣመልክቱ፡ ናብ ሰብኣዊን መንግስታዊን ትካላት ብብእዋኑ ጻዊዕቱን ምሕጽንታኡን ከቕርብ ምጽናሑ ዝዝከር እዪ። 85 ኤርትራዉያን ዝርከብዎም ኣፍሪቃዉያን ሓተቲ ዑቕባ፡ ብጥይት ፖሊስ ግብጺ ከምዝተቐትሉ፡ ብማሕበራት ሰብኣዊ መሰላትን ብማዕከናት ዜናን ዝተቓለሐ ዘሕዝን ወረ ምዃኑ ዝተፈልጠ ኢዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጸምጸም ጎላጕል ሲናይ ዝፍጸም ዘሎ መቕዘፍቲ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ጉዳይ ኣይኮነን። ነዞም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ መንእሰያትና ንምድሓን፡ ግ.ሃ.ድ.ኤ. ናብ ኩለን መንግስታት ኤዉሮጳን ሕ.መ.ኣመሪካን ናብ ላዕለዋይ ኮሚሸነር ስደተኛታት(UNHCR)ን ዓለምለኻዊ ቀይሕ መስቀልን(ICRC) ናብ ኣገደስቲ ሰብኣዉያን ማሕበራትን፡ እዚ ሽግራት ምስ ተቃልሐ ብኡ ንብኡ ነዚ ተግባራት’ዚ ገደብ ንኽግበረሉ ብዕቱብነት ከም ዝተንቀሳቐሰ ጌና’ውን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ክንሕብር ንፈቱ።

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግ.ሃ.ድ.ኤ

19/12/2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1949

Posted by on Dec 20 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net