News

ተማሃሮ ቤት/ትምህርቲ ኤምባሲ ኤርትራ ርያድ ናብ ኦባማ ዝላኣኽ ደብዳቤታትን

ኣብ ዋና ከተማ   ስዑዲ ዓረብ  እትርከብ   ሽማግለ መኽተ ርያድን ከባቢኣን ብዝብል እትስመ      ኣብ ትሕቲ ጭርሖ  ( ሕጂ”ውን ንመኽተ ኣይንሕለልን ) ኢላ ንተማሃሮ ቤት  ትምህርቲ  ኤምባሲ ኤርትራ ንኣብ ሓንቲ ስድራ-ቤት ዝርከቡ ዜጋታት መብጽሒ ትጥቀመሎም  ከምዘላ   ዘረጋግጽ እቲ   ብዕለት 08/12/2010 ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ብዝሒ  ቑጽሪ    ዜጋታት  ስድርኡ   ፈቒዶም ነቲ   ንፕረዚደንቲ ሕቡራት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ   ንዋና ጻሓፊ ሕቡራት    መንግስታት ባንኪሞን ዝላኣኽ ጸረ እገዳ ዝኾነ መልእኽቲ  ብእንግሊዝኛ   ተጻሒፉ   ብሰድራ-ቤት   ተማሃሮ ተፈሪሙ ንኽመልስዎ ኣገዲደሞም።

ነዚ ብስድራ-ቤት ተማሃሮ ተፈሪሙ ዝመጽእ   መልእኽቲ  መሰነይታ ደብዳቤ ብቛንቛ ትግርኛን  ዓረብኛን ዝተጻሕፈ    ነቲ ዘይፍትሓዊ  ናይ   እገዳ  ውሳኔ ንኽይትግበር ዝመከትናዮ ሎሚ”ውን ነቲ ዘይቅኑዕ ውሳኔ ካብ መሰረቱ   ንኽድምሰስን ክይተሓላለፍን ክንጽዕር ኢና ትብል  ናይ ምድንጋር  ሓሶት ምኻና ህዝቢ ኣጸቢቁ ይፍልጦ ኢዩ።

ሸማግለ መኽተ   ናብ ተማሃሮ    ክተተኩረሎም  ዘገደዳ ምኽንያት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ገዛ ገዛ እንዳዘርካ ህዝቢኣብ ቁጽሪ ኤምባሲ መጺእኩም ፎርም ምልኡ ንዝብል ዕድመ    ጸማም  እዝኒ     ድሕሪ ምሃቡ ኢዩ፡ ሽሕ”ኳ ስርዓት ኢሰያስ ነዚ እገዳ እዚ ኣንጻር   ሃገር”ዩ ኢሉ ንህዝቢ   ከረድእ እንተፈተነ   ህዝቢ ግን ብዘለዎ ኣፍልጦ እዚ እገዳ”ዚ ኣንጻር   እቲ ስርዓት እምበር    ኣንጻር ሃገርን ህዝብን     ክምዘይኮነ ድሕሪ ምርድኡ”ዩ ።እዚ እገዳ እዚ ክዉሰን ዘገደደ ምኽንያት ነቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እተካይዶ ዘላ ግፍዕታት ዘይልሙድን ካብ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝወጸን ዝተጠሓሰን ስለ ዝኾነ እዩ

ነዚ መኸተ እዚ ህዝብ ብሸለልትነት ዓይኒ መርእይኡ ምኽንያት”ውን እቲ ዕዉት ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናብ ህዝቢ ኣሕዲርሉ  ዘሎ  ተስፋን ኮይኑ   ከምኡ”ውን ነቲ ኣብ ከተማ ርያድ  ዝተገብረ   ሓፈሻዊ ኣኼባ ብወጻእ ጉዳይ ሚኒስተር ዝተመርሐ ኣኼባ ናይ ሓዲሽ ፓስፖርት    ምውጻእን ምኽባር ዋጋን   ምኽፋልን  ንዝብል  ሕቶ ምስተሓተተ ካብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ብዛዕባ”ዚ ዝፈልጦ ጉዳይ የብለይን  ግን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከብጻሓልኩም ኢየ ድሕሪ ምባሉ ኢዩ።

ስድራ-ቤት  ተማሃሮ ነቲ    ዝድለ ፎርም ንኽማልኡ ዝገደዶም ቀንዲ ምኽንያት ካብ ምሕደራ ቤት ትምህርቲ  ጸረ ደቆም ናይ ምስንባት  ዉሰኔን ስጉምትን  ንኽይውሰድ ንዝብል ፍርሒ ሙዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቤት/ጽሕፈት ዜና

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

12/12/2010

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top