መስመሪ ጉባኤና ሰደተኤ ህደግኤ ይቕጽል ኣሎ

ብሓሙስ 16 ታሕሳስ 2010 ብድሙቕ ጣቕዒትን ዕልልታን ተሰኒዩ ዝተጀመረ መስመሪ ጉባኤ ሕብረ-ብሄራውያን ደሞክራስያውያን ውድባትና ህደግኤን ሰደተኤን ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ብርሱን ናይ ቃልሲ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።

መስመሪ ጉባኤ ህደግኤ ሰደተኤ፡ ኣብ’ዚ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎኡ፡  ንጉባኤ እትመርሕ ኣካል ካብ ጉባኤኛታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡ ዝተመርጸት ኣካል ብወገና ነብሳ ወዲባ መደባታ ሰሪዓ ብምሕባር’ያ ስራሓ ጀሚራ።

ብመሰረት’ቲ ዝተሰርዐ መደብ ድማ ጉባኤኛ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ፖለቲካዊ ጸብጻብ ቀሪቡን ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝኣክል ርእይቶ ቀሪቡ፡ ክትዓት ተኻይድሉን ብሙሉእ ድምጺ ጸዲቑን።

ቀጺሉ ኣብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ክካታዕ ኣምሲዩ። ጽባሕ ዕለት 18 ታሕሳስ 2010 ቀጺሉ ኣብ ዝተረፉ መደባት ክመያየጥ’ዩ።

ካብ ቦታ ጉባኤ

17 ታሕሳስ 2010

Short URL: https://english.farajat.net/?p=1955

Posted by on Dec 20 2010 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net