News

መስመሪ ጉባኤና ሰደተኤ ህደግኤ ይቕጽል ኣሎ

ብሓሙስ 16 ታሕሳስ 2010 ብድሙቕ ጣቕዒትን ዕልልታን ተሰኒዩ ዝተጀመረ መስመሪ ጉባኤ ሕብረ-ብሄራውያን ደሞክራስያውያን ውድባትና ህደግኤን ሰደተኤን ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ብርሱን ናይ ቃልሲ መንፈስ ይቕጽል ኣሎ።

መስመሪ ጉባኤ ህደግኤ ሰደተኤ፡ ኣብ’ዚ ናይ ካልኣይ መዓልቲ ውዕሎኡ፡  ንጉባኤ እትመርሕ ኣካል ካብ ጉባኤኛታት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ፡ ዝተመርጸት ኣካል ብወገና ነብሳ ወዲባ መደባታ ሰሪዓ ብምሕባር’ያ ስራሓ ጀሚራ።

ብመሰረት’ቲ ዝተሰርዐ መደብ ድማ ጉባኤኛ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ፖለቲካዊ ጸብጻብ ቀሪቡን ካብ ተሳተፍቲ ጉባኤ ዝኣክል ርእይቶ ቀሪቡ፡ ክትዓት ተኻይድሉን ብሙሉእ ድምጺ ጸዲቑን።

ቀጺሉ ኣብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ መደብ-ዕዮ ክካታዕ ኣምሲዩ። ጽባሕ ዕለት 18 ታሕሳስ 2010 ቀጺሉ ኣብ ዝተረፉ መደባት ክመያየጥ’ዩ።

ካብ ቦታ ጉባኤ

17 ታሕሳስ 2010

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top