News

ኮምሽን ኣብ ከተማ ፊኒክስ ኣድማዒ ናይ ስራሕ ባይታ ኣንጺፉ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከም መቐጸልታ እቲ ኣብ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ዕማማት፡ ኣብ ከተማ ፊኒክስ እውን ምስ ካብ ኤርትራዊት ሃገራዊት ኮምሽን ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዝነበሮም ዝተፈላለዩ ገዳይም ተቓለስቲ፡ ስፊሕ ምይይጥን ልዝባትን ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ መንጎ እቲ ንነዊህ ክኸይድ ዝጸነሐ ፖለቲካዊ ባህልን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝኽተሎ ንኹሉ ማሕበረሰብ ኤርትራ ማእከል ዝገበረ ህዝባዊ ቃልሲ ዛዕባ ጌሮም ድሕሪ ምዝታይ፡ ኣብ ካላኣይ ዙር ህዝባዊ ሽማግለ ንክቐውም ተሰማሚዑ። ብኻልእ ወገን ኮምሽነር ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ እቲ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ተመዲቡ ዘሎ ኣርባዕተ መጽናዕትታት ዝሓዘ ረቂቅ ናይ ሃገራዊ ጉባኤ መበገሲ ሰነዳት፡ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ከምዝዝተየሉን ተሳተፍቲ ከኣ ሓሳባቶም ኣብ ምብርካት ነፍሶም ከዳልዉ ከምዘለዎም ኣታሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ኤርትራዊ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ፡ ናብዚ እናዓንበበ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ክሰምርን ተሳትፍኡ ክዐዝዝን ጸዊዖም። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንነዊሕ ጊዜ ከይተራኸቡ በበይኖም ክጓዓዙ ዝጸንሑ ተቓለስቲ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ብዕቱብ ክሰርሑ ከም ዝግበኦም ብሓባር ኣስሚሮምሉ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top