ኮምሽን ኣብ ከተማ ፊኒክስ ኣድማዒ ናይ ስራሕ ባይታ ኣንጺፉ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ከም መቐጸልታ እቲ ኣብ ኩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ጎስጓስን ኣስተምህሮን ዕማማት፡ ኣብ ከተማ ፊኒክስ እውን ምስ ካብ ኤርትራዊት ሃገራዊት ኮምሽን ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዝነበሮም ዝተፈላለዩ ገዳይም ተቓለስቲ፡ ስፊሕ ምይይጥን ልዝባትን ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ መንጎ እቲ ንነዊህ ክኸይድ ዝጸነሐ ፖለቲካዊ ባህልን ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝኽተሎ ንኹሉ ማሕበረሰብ ኤርትራ ማእከል ዝገበረ ህዝባዊ ቃልሲ ዛዕባ ጌሮም ድሕሪ ምዝታይ፡ ኣብ ካላኣይ ዙር ህዝባዊ ሽማግለ ንክቐውም ተሰማሚዑ። ብኻልእ ወገን ኮምሽነር ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ እቲ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሕ ተመዲቡ ዘሎ ኣርባዕተ መጽናዕትታት ዝሓዘ ረቂቅ ናይ ሃገራዊ ጉባኤ መበገሲ ሰነዳት፡ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ከምዝዝተየሉን ተሳተፍቲ ከኣ ሓሳባቶም ኣብ ምብርካት ነፍሶም ከዳልዉ ከምዘለዎም ኣታሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኩሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ኤርትራዊ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ፡ ናብዚ እናዓንበበ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ክሰምርን ተሳትፍኡ ክዐዝዝን ጸዊዖም። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንነዊሕ ጊዜ ከይተራኸቡ በበይኖም ክጓዓዙ ዝጸንሑ ተቓለስቲ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ብዕቱብ ክሰርሑ ከም ዝግበኦም ብሓባር ኣስሚሮምሉ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2035

Posted by on Jan 11 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net