ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ከተማ ኣትላንታ

ብዕለት 8 ጥሪ 2011 ብኣቶ ተኽላይ ኣብርሃ፡ ኣባል ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተመርሐ ኣኼባ ኣብ ኣትላንታ ተኻይዱ። ኣቶ ቴድሮስ ኢስቲፋኖስ፡ ንኣቶ ተኽላይ ምስ ኣኼበኛ ድሕሪ ምልላይ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ኣኼባ ብዝክረ ሰማእታት ተኸፊቱ።

ኣቶ ተኽላይ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዋዕላ ከመይ ይመስል ከምዝነበረ ኪገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ ዘጋጠሙ ሽግራት ፈቲሑ ኣብ መወዳእታ ግን ብዓወት ከምዝወጸ ሓቢሩ። እዚ ኪኾነሉ ዝኽኣለ ክኣ ግሉጹነት ዝሰፈኖ ሃዋህው ስለዝነበረን፡ ኣኼበኛ ብነጻ ናይ ልቡ ስምዒታት ኪገልጽ ብምኽኣሉን፡ እቲ ዘሰክፍ ዝመስል ዝነበረ ኩነታት ብምርድዳእን ብምጽውዋርን ኣብ ናይ ሓባር ስምምዓት ክብጻሕ ተኻኢሉ ኪብል፡ ኮምሽነር ዝርዝራዊ መግለጺ ሂቡ። ቀጺሉ ጉባኤኛ ዝተሰማማዓሎም ነጥብታትን ዘመሓላለፎም ውሳኔታትን ድሕሪ ምዝርዛር፡ ህዝቢ ኪዛተየሎም ኣብ መደረኽ ኪቐርቡ ምኻኖም ሓቢሩ። በዚ ኣጋጣሚ ህዝቢ ብብከባቢኡ ተጠርኒፉ፡ ሽማግለታት ብምቓም ምስ ኮሚሽን እናተራኸበ ምዕብልናታት ኪከታተል ከምዘለዎ’ውን ኣተሓሳሲቡ።

ካብኡ ቀጺሉ ኣኼበኛ ንዘይበረሃሉ ክሓትትን፡ ርእይቶታቱ ኪህብን ዕድል ተዋሂብዎ፡ ኮሚሽነር’ውን ኣዕጋቢ መልስታት ብምሃብ ነቲ ኣኼባ ደምዲሙዎ። እቲ ኣኼበኛ ክኣ ኣብ ምቓም ህዝባዊ ሽማግለ ብምእታው ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ 10 ዝኣባላታ ሽማግለ መዚዙ። ካብ ውሽጣ ድማ 7 ዝኣባላታ ሰክረታርያት መሪጹ። እሳቶም ክኣ — 1) ኣቦ-መንበር 2) ምክትል-ኣ/አንበር 3) ዋና-ጸሓፊ 4) ናይ ቁጠባ 5) ናይ ዜና 6) ናይ ፖለቲካ 7) ናይ ስርርዕ ሓለፍቲ እዮም።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና!!!

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልስና!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2041

Posted by on Jan 13 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net