News

ጸብጻብ ንጥፈታት ውድብ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምስራቅ ብወኪል ጨናፍር ማእከላይ ምስራቅ ሃገራት

ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ መሪሕነት ኣብ ማእከላይ ምስራቅ ሃገራት ኣብ ዑደት ሕዝባዊ ኣኼባታት ካብ 1 ወርሒ ጥሪ ክሳብ 22 ጥሪ ኣካዪዱ። ብ 20 ጥሪ 2011 ኣብ ከተማ ርያድ ሱዑድያ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻዪዱ፣ እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሕዝብና ኣብ ትሕቲ ኣረመናዊ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝሕልፎ ዘሎ ናብራ ብዕምቈት ተመያዪጡ። ንህልዊ ውድባዊ ንጥፈታት ብኩሉ መዳያቱ ተመያዪጡ፣ሚዛናቱ ኣንቢሩ ናይ መጻኢ መደባቱ ሓንጺጹ፣ ብዛዕባ ደንበ ተቃውሞ ድማ በቲ ፈደራላዊ ምንቅስቃስ ዝተጻወቶ ግደ ሞጎሱ ኣቅሪቡ ብፍላይ ድማ ንምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላን፣ንኹሉ ተጻብኦታት ኣሸኒፉ ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ስጢሙ ብሓድነት  ንክሰርሕ ብዝተጻወቶ ግደ ከምኡ ድማ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ሕዝባን ዝወርድ ዘሎ ወጽዓታት ብምቅላዕን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝያዳ ከስፍሖን ከደልድሎን እቲ አኼባ ምሉእ ደገፋ ከበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መደምታ እቲ አኼባ ብ4 ኣባልት ዝቆመት ኣካያዲት መሪሕነት መሪጹ።

ቀጻሊ ጸብጻባት ንጥፈታት ወድብ ኣብ ማእከላይ ምስራቅ ሃገራት ክሰ ዕብ ኢዩ …..ተኸታተሉ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top