ጸብጻብ ንጥፈታት ውድብ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምስራቅ ብወኪል ጨናፍር ማእከላይ ምስራቅ ሃገራት

ፈደራላዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ኤርትራ መሪሕነት ኣብ ማእከላይ ምስራቅ ሃገራት ኣብ ዑደት ሕዝባዊ ኣኼባታት ካብ 1 ወርሒ ጥሪ ክሳብ 22 ጥሪ ኣካዪዱ። ብ 20 ጥሪ 2011 ኣብ ከተማ ርያድ ሱዑድያ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻዪዱ፣ እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሕዝብና ኣብ ትሕቲ ኣረመናዊ ስርዓት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ዝሕልፎ ዘሎ ናብራ ብዕምቈት ተመያዪጡ። ንህልዊ ውድባዊ ንጥፈታት ብኩሉ መዳያቱ ተመያዪጡ፣ሚዛናቱ ኣንቢሩ ናይ መጻኢ መደባቱ ሓንጺጹ፣ ብዛዕባ ደንበ ተቃውሞ ድማ በቲ ፈደራላዊ ምንቅስቃስ ዝተጻወቶ ግደ ሞጎሱ ኣቅሪቡ ብፍላይ ድማ ንምዕዋት ሃገራዊ ዋዕላን፣ንኹሉ ተጻብኦታት ኣሸኒፉ ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ስጢሙ ብሓድነት  ንክሰርሕ ብዝተጻወቶ ግደ ከምኡ ድማ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ሕዝባን ዝወርድ ዘሎ ወጽዓታት ብምቅላዕን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ዝያዳ ከስፍሖን ከደልድሎን እቲ አኼባ ምሉእ ደገፋ ከበርክት ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መደምታ እቲ አኼባ ብ4 ኣባልት ዝቆመት ኣካያዲት መሪሕነት መሪጹ።

ቀጻሊ ጸብጻባት ንጥፈታት ወድብ ኣብ ማእከላይ ምስራቅ ሃገራት ክሰ ዕብ ኢዩ …..ተኸታተሉ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2068

Posted by on Jan 23 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net