ጋዜጣዊ መግለጺ: ብዛዕባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኣቦ መንበርነት ሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ምስሓቡ ኣመልኪቱ ዝወጸ መግለጺ

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣብ ህጹጽ ኣኼባኡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ወሽጢ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸስተ ምፍንጫል ኣመልኪቱ ኣብ ዝመያየጠሉ ዝነበረ ህሞት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ብዕለት 23 ጥሪ 2011 ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ምስሓቡ ብዕሊ ኣዊጁ፡፡ ኣብዚ መግለጺ እዚ ካብ ምምስራት ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ኣትሒዙ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ጊዚያት ብርክት ዝበሉ ኣብ ሓቅታት ዘይተመርከሱ ክስታት ደርዲሩ ምህላው ማእካላይ መሪሕነት ተገንዚቡ፡፡ ብዛዕባ እዚ ናይ መስሓቢኡ ኢሉ ደርዲሩዎም ዘሎ ምኽንያታት እዚኣቶም ብዝምልከት ከኣ ኤ.ዲ.ኪ ከም ተደላይነቱ እናረኣየ ኣብ ቀጻሊ መብርሂ ክህበሉ እዩ፡፡

 

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ ብኣቦ መንበርነት ሓው ወልደየሱስ ዓማር ዝምራሕ ሸነኽ ነቲ ንመላእ ደንበ ተቓውሞ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ዋዕላ ክጋባእ ብሓድነታዊ ጉባኤ ኤ.ዲ.ኪ ዝተወሰነን ብማእከላይ መሪሕነትን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን ኣብ ተግባር ክውዕል ዝተወጠነን ክዕንቅፍ ከም ዝጸነሐን ውጽኢቱ ከም ዝነጸገን ዝፍለጥ እዩ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ሸነኽ እዚ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ካብ ክኽተሎም ዝጸነሐ ፕሮፖጋንዳዊ ናይ ጸለመ መጥቃዕታት ብምርሓቅ ኣብ መድረኻት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ሓደገኛ ኣንፈቱ እዚ ብምግምጋም ጉድለታቱ ንኽእርም ብተደጋጋሚ ከተሓሳስብ ጸኒሑ እዩ፡፡ ኤ.ዲ.ኪ ብሕጋውን ፖለቲካውን መንገዲ ቅድም ይኹን ሕጂ ተሳትፎ ሓፋሽ ህዝብናን ተቃለስቲ ሓይልታቱን ክዓዝዝ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከም ዓቅሙን ወድዕነቱን ክቃለስ ዝጸነሔን ዘሎን እዩ፡፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ማእከሉ ገይሩ እዋናዊ ገድላዊ ዕማማቱ ኣብ ምስልሳል ድኣ እምበር እዚ ሰልፊ እዚ ኣብቲ ከም ቀንዲ ውራዩ ተታሓሕዝዎ ኣብ ዘሎ ናይ ምንጽጻግን ዘይሃናጺ ምውድዳርን ናይ ጸለመን ቆይቅን ዓዘቅቲ ተሸኽሉ ማእዝኑ ክስሕትን ካብ መስመሩ ከውጽእን ዝግበር ኣካይዳታት ከም ቀንዲ ቀዳማይ ውራዩ ገይሩ ከምዘርእዮ ሕጂ እውን ደጊሙ ይገልጽ፡፡ ኩሎም ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታትን ምንቅስቓሳትነ ሲቪካዊ ማሕበረሰባትን ህዝብና ካብ ዝሓልፎ ዘሎ ስቓይ ቀልጢፉ ንኽገላገል ንእዋናዊ መድረኻዊ ዕማማት ተጋድሎና ንምዕዋት ኩልና ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ብንጥፈት ክንዋሳእ ማእከላይ መሪሕነት በዚ ኣጋጣሚ እዚ ይጽውዕ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን እዚ ሰልፊ እዚ ካብቲ ሰፊሕ ጽላል ሃገራዊ ግንባር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ምስሓቡ ምኽንያታዊ ገይሩ ኣይወስዶን፡ መፍትሒ እዩ ኢሉ እውን ኣይርእን፡፡ ንክህልዎ ዝኽእሉ ካልኣዊ ፍልልያት ብካልኣዊ ደረጃ ብምሓዝ ኣብ ክሊ እዚ ሓባራዊ ስምምዕ ናይ ሓባር መደብ ዕዮ (ቻርተርን) ቁዋምን ማእከሉ ገይሩ ብሓባራዊን ካዕባውን ብቀጻሊ ዝካየድ መስርሕ ናይ ልዝባትን እንካን ሃባን ጉዕዞ ናይ ቃልስን ክጽዕት ዝግባእ ድኣ እምበር እቲ ዝወሰዶ ናይ ምንስሓብ ምርጫስ መሰረታዊ መፍትሒ ከምዘይኮነ ማእከላይ መሪሕነት ርእዩ፡፡ ስለዝኾነ ኸኣ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ሕጂ እውን እንተኾነ ዳግም ክርእዮን ብእሩም ናይ ሓድነትን ቃልስን ኣገባባት ክሕዞን ምስቲ ኩሉ ክህልዎ ዝኽእሉ ፍልልያት ኣብ ምጥርናፍ ደንበ ተቓውሞ ኣውንታዊ እጃሙ ክጻወት ናብ ክጋባእ ዝዋደድ ዘሎ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክሳተፍን ተርኡ ከበርክት ማእካላይ መሪሕነት ይጽውዕ፡፡

 

ማእከላይ መሪሕነት

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን

24 ጥሪ 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2087

Posted by on Jan 30 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net