ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ሰይንት ፖውል ሚነሶታ ተኻይዱ፡

ኣብ’ቲ ብዕለት ጥሪ 29, 2011 ዝተጋብአ ህዝባዊ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ተረኺቦም ነይሮም። እቲ ህዝባዊ ኣኼባ ንኣቶ ሃይለማርያም ተስፋይ ኣባል ሃገራዊ ኮምሽን ብምልላይን እንቛዕ ብድሓን መጻእካ ብምባልን፣ ንኣኼበኛታት ድማ ንኹሉ ሸነኻት ሰጊሮም ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ኣሕሚምዎም ኣብ’ቲ አኼባ ምርካቦም ግቡእ እኳ እንተኾነ ከይተመስገነ ክሕለፍ ከምዘይብሉ፣ ብቐንዱ ድማ ነዚ ሕጂ ተረኺቡ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ፉሕፉሕ ኢሉ ንኹሉ ህዝብና ሙቐት ክህብ ክኽእል ዋናታቱን ሰብ ቤቱን ንሕና ኢና ወሰንቱ፡ ስለ’ዚ ተራና ክዓዝዝን ቀጻሊ ውሕስነቱ ከነተኣማምንን ድማ ቀጻሊ ምክትታልን ናይ ስራሕ ተወፋይነትን የድልየና፡ ክብሉ ብትግርኛን ዓረበኛን፡ ኣቶ ብርሃነ ተስፈን፡ ኣቶ ኢብራሂም ሱለማንን ገሊጾም። ብምቕጻል ምስ ኩሉ ድኽመታትን ሕልኽላኻት ዝጸንሐ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰጊሩ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደክራሲያዊ ለውጢ ዘብጽሐ ኤዲኪ ድማ ክምስገኑ ይግባእ፡ ከምኡ’ውን ሓው ሃይለማርያም ተስፋይ ንኹሉ ማሕበራዊ ጉዳዩ ሰጊሩ ኣብ ምዕዋት እዚ መስርሕ ዝገበሮ ተዋፋይነት ደጊምና ነመስግኖ ክብሉ ኣቶ ብርሃነን ኣቶ ኢብራሂም ሱለማንን ገሊጾም።

ሓው ሃይለማርያም ተስፋይ ኣብ’ዚ ኣኼባ ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ምስታፉን ምእካብኩምን ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ ህዝብናን ሃገርናን ፍርሕን ተገዳስነትን ምህላዉ ዝሕብረካ እዩ፡ ብምባል እቲ ብቐዳምነት ንርእዮ ድማ ብመሰረት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ካብ ሰነ 31 ክሳብ ነሐሰ 9 2010 ዝተጋብአ ዘመሓላለፎም ውሳኔታትን እዩ፡ ኣብ ዋዕላ ንምብጻሕን ኣብኡ ምስኣተወን ዝነበሩ ጻዕርታትን ንጥፈታትን ብቐጻሊ ዝተኻየዱ ክትዓትን ብቐሊሉ ዝረኣዩ ኣይነበሩን፡ ግን ድማ ካብ ኩሉ ሕብረተሰብና ዝተሳተፎ ስለ ዝነበረ፡ ኩሎም ዝቐረቡ ጸገማት ብሃይማኖትን ብብሄርን  ብደቀ’ንስትዮን መንእሰያትናን ስደትኛታትን፡ ካብ ዝተፋላለዩ ቦታታት ዝመጹ፡ ነቲ ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብና ዝወርድ ዘሎ መሪር ስቃይን ከቢድ ሓደጋን ብፍላይ ክአ ነቲ ብኣስጋኢ ቁጽሪ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ሕብረተሰብናን መንእሰያትናን ኣተኩሮ ብምሃብ ኣብ ዝተፋላለየ መዓስከራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለምን ብዕምቍት ድሕሪ ምርኣዩ፡ ብፍሉይ ኣትኩሮ ካብ ደንካልያ ዝሰደዱ ዘለዉ ካብ ሕብረተስብና ኣድህቦ ዘይተግበረሉ ካብ 15,000 ንላዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ኣረዲኡ። ድሕሪ’ዚ መሰል ውሑዳንን ብሄራትን ብዘርኢ ከኣ፡ ወጽዓታቶም ብቕንዕና ምስ እንግንዘብን ኣብ ምክብባርን ምትሕልላይን ዝተመኮሰ ሓባራዊ ግምገማ ብምግባር ውሳኔታት ምስ እንበጽሕን ከኣ ንሓድነትና ዝብድህን ዝመቓቕልን ከም ዘይህሉ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝተረጋገጸ መንፈስ ምዃኑ ዘብርህ ሰፊሕ መግልጺ ሂቡ።

ኣስዒቡ ኣብቲ ናይቲ ዕለት ኣኼባ ህዝባዊት ሽማግለ ብምቛም ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ወከልቱ ብምስዳድ ተሳታፍነቱ ዝራጋገጸሉ ኣገባብ ምግባር’ዩ፡ ድሕሪ ምባል ሓው ሃይለማርያም ብዝሰፍሐ ህዝባዊ ተሳታፎ ማለት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ስቪክ ማሕበራትን፡ ምሁራት፡ ለባማትን ዝተሳተፍዎ ባይቶ ብምቛም ነቲ ኩሉ ዝተዋህቦ ዓበይቲ ዕማማት ንህዝቢ ወኪሉ ኣብ ሕዝብን መግስታትን ማሕበራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ብሕጋዊ ውክልና ክንቀሳቀስን ክዛረብን ዘኽእል መስርሕ ንምትካል ምዃኑ  ብሰፊሕ ኣብሪሁ።

ድሕርዚ ኣብ ናይ ሕቶን ርእይቶን ንኣኼበኛ ተዋሂቡ ዝተፈላለዩ ንጉዳይ ሃገራዊ ኮምሽንን ኣሰራርሓኡን ምስ ካልኦት ኣካላት ደምበ ተቓውሞ ዘለዎ ዝምድናን ኣገባቡን ዝተፈላለዩ ሕቶታት ቀሪቡ ግቡእ መልሲ ድማ ተዋሂቡዎም። ነቶም ንካልኦት ኣካላት ተቓውሞ ዝምልከቱ ሕቶታት ከኣ ነናብ ዝምልከቶም ክማሓላለፎም ምዃኑ ብምሕባር ብዕግበትን ብምርድዳእን ተወዲኡ። ብድሕር’ዚ ኣብ ምምራጽ ህዝባዊ ሽምግለ ተሰጋጊሩ ካብቶም ዝቐረቡ ሕጹያት ብኽፉት ድምጺ ሓደ ንደቡብ ዳኮታ ዝውኽል ዘለዎም ትሽዓተ ዝኣባላታ ህዝባዊ ሽምግለ ተመሪጻ ብዓወት ኣኸባ ተደምዲሙ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ!!

ህዝባዊ ሽማግለ ንሃገራዊ ጉባኤ

ሚንያፕልስ ሰይንት ፖውልን ደቡብ ዳኮታን

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2103

Posted by on Feb 7 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net