ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጽንብል ኣካይዱ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሳዊ ለውጢ ብምኽንያት ምኽፋት ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕለት ብ2 የካቲት 2011 ድሕሪ ቀትሪ ብዙሓት ወከልቲ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ኣባላት ኪዳን፡ ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝርከቡ ውድባት፡ ኣባላት በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ገዳይም ሓርበኛታት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያት ሰደተኛታትን ጋዜጠኛታትን ከምኡ’ውን ኣገደስቲ ውልቐ ሰባት ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጽንብል ኣካይዱ፡፡

አብቲ ዝተካየደ ጽንብል ገዳይም ተጋደልቲ ካብኣቶም ተጋ/መሓመድ ዑመር ያሕያ፡ ተጋ/ ዓብደላ ኣቦ መንበር ማእከላይ መሪሕነት ኤዲኪ፡ ተጋ/ተወልደ ገ/ስላሴ ኣቦ መንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤዲኪ፡ ኩሎም ኣባላት ፈጻሚ ኣካል ሃገራዊ ኮምሽን፡ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ኮምሽንን መራሕቲ ፖሎቲካዊ ውድባትን ዝተረኽብሉ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ጽንብል ተገይሩ፡፡

አቦ-ወንበር ኮምሽን ኣቶ ኣምሃ ደሞኒኮ ንዕዱማት እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብድሕሪ ምባል፡ ብሕጽር ዝበለ ኩነታት ኮምሽንን ዘዓወቶ ፍጻሜታትን ንዝምልከት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡ ኩሎም ኣባላት ኮምሽን ምስቲ ኩሉ ኣብ ባይታ ዘጋጥሞም ዘሎ ዝተፈላለየ ብድሆታት ነቲ ዝተመዘዝሉ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ንምዕዋት ለይቲ ምስ መዓልቲ ብትብዓትን ብተወፋይነትን ይሰርሑ ምህላዎም ገሊጹ። ምድላው እቶም ኣገደስትን መሰረታውያን ሰነዳት ሃገራዊ ጉባኤ ማለት፡ ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም፡ መሪሕ ሓሳብ (Roadmap)፡ ፖሎቲካዊ ቻርተርን፡ ሕገ-ህንጻ ሃገራዊ ባይቶን፡ ኣብ ምዝዛም ገጹ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ብምቅጻል ምክትል ኣቦ-ወንበር ኮምሽን ኣቶ ዓብደርሑማን ጣሃ ኑር ብወገኑ፡ ንዕላማታትን ውሳኔታትን ሃገራዊ ዋዕላ ንምዕዋት ንመጀመርያ ግዜ ኣባላት ፖሎቲካዊ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ኣብ ሓደ ራእይ ተጠሚሮም ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም ኣብ ታሪኻዊ ጉዕዞ ቃልስና ሓድሽ ምዕራፍ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ስሙር ጉዕዞ’ዚ ነቲ ግዕዙይ ምሕደራ መንግስቲ ህግደፍ ብምውጋድ፡ ኣብ ኤርትራ ሕብረ ሰልፋዊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምህናጽን ተስፋ ህዝብና ንምምላስን ኣውንታዊ ጅማሮ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ጽንብል’ዚ ዕዱማት ብወገኖም ምስ ብዙሓት ገጽ ንገጽ ብምርካብ፡ ሌላ ክገብሩን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ክላዘቡን ጽቡቕ ዕድል ከም ዝፈጢርሎም ኣረዲኦም። ብፍላይ ከኣ ምስ ገለ ካብቶም ካብ ኣስካሕካሒ ግፍዕታትን ሓሳረ መኸራን ስርዓት ህግደፍ ሂወቶም ንምድሓን ነታ ዝፈትዎዋ ኤርትራ ራሕሪሖም ኣብዚ ቀርባ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ መንእሰያት ሰደተኛታት ተራኺቦም፡ ሕድሕድ ሌላን ምርድዳእን ዘተን ምኽያዶም ዝፈጠረሎም ፍስሃ ብምግላጽ፡ እቲ ናይ ኮኽቴል ግብጃን ጽንብልን ተዛዚሙ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኮምሽነራት ሰለስተ ግዜ ተኸታታሊ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ተሳትፎ መላእ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኸብ ህዝብና ንሃገራዊ ጉባኤ ንምውሓስን ንምዕዋቱ ልዑል እጃሞም ንክጻወቱን ዘኽእል መደባት ምስርዖም ተሓቢሩ። እቲ ብኮምሽነራት ዝተነጸረ መደባት ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብግብሪ ክጅምር ምዃኑ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ፈጻሚ ኣካል ኮምሽን ንኩሎም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ህዝብና ኣብ ኤርትራ ምእንቲ ዝጭበጥ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ናብ ጎኒ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ተሰሊፎም ልዑል እጃሞም ክጻወቱን ኩሉ ዓቕምታቶም ከበርክቱን ጻውዒቱ ኣቕርብ።

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

08 የካቲት 2011

WWW.ENCDC.COM

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2118

Posted by on Feb 9 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net