ኣብ ህይስተን ሓንቲ ሽማግለ ኮሚሽን ቈይማ

ኣብ ህይስተን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ “መብጽዓና ነሐድስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ተጠርኒፎም፡ ሰንበት ዕለት 6 ለካቲት 2011 ሓንቲ ሽማግለ ሃገራዊት ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጥ መስሪቶም።

ኣብቲ ኣብ CHRIST CHURCH Presbyterian ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ፡ ኣብ ኮሚሽን ኣባላት ኮይኖም ክነጥፉ ንዝደልዩ ሰባት ቅጥዒ መሊኦም ከምኡ’ውን 7 ፈጻሚ ኣካል ዘለዋ ሽማግለ መሪጾም።

እቶም ተሳተፍቲ ኵሎም ብሓሳብ ተሰማሚዖም እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎ መዓት ክናገፍን፡ ክርህዎን እንተ ኾይኑ፡ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ክሳተፉን ክውፈዩን ከምዘለዎም ነፍሶም ዘእመኑ ይመስሉ። እቲ መንገዲ ድማ ምስ ኮሚሽን ኮይኖም ክጓዓዝዎ መሪጾም ኣለዉ።

መብዛሕትኦም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ሓደስቲ መጻእቲ መንእሰያት እዮም። ተመስገን ሙሴ፡ ሓደ ካብኦም እዩ። ንሱ፡ ኣብዚ ኮሚሽን ክሳተፍ ዝደረኾ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ “ኣነ በቲ ስርዓት ግዳይ ኰይነ ዝወጻኹ እየ፡፡ ብመጀመርታ መሰለይ ንምርግጋጽ፡ ካብኡ ሓሊፈ፡ ነቲ ከምዚ ዓይነት ዕድል ዘይረኸበ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሰያስ ዘሎ ህዝቢ፡ ናቱ ድምጺ ኮይነ ብዓቕመይ ወጽዓታቱ ንምግላጽ እየ።” ኢሉ።  ኮሚሽን ዘውጽኦ መደባት ንምትግባር ተወፍዩ ከምዝስርሕ ድማ ገሊጹ።

“ምስ ኣሕዋተይ ኮይነ፡ ነቲ ናይ ኮሚሽን ስርሓት ከዐውትን ነቲ ስርዓት ኣሳዕ ክብልን እዩ ዕላማይ” ዝበለ ድማ ኣብርሃም ተስፋማርያም አዩ። ንሱ ብምቕጻል፡ “ኣሕዋትና፡ ኣሓትናን ኣቦታትናን ዝተሰዉኡላ ሃገር ተጨውያ እንከላ፡ ሱቕ ክንብል ቅቡል ኣይኮነን። እዚ ዅሉ መንእሰይ እንዳ ጠፍአ እንከሎ፡ ኣብ ሰላምን ዲሞክርሲን ዝሰፈና፡ ናይ ድሙን ከልቢን መሰል ከይተረፈ ዝኸበረላ ሃገር ጢዑሙና፡ ደፍቲ እቲ ስርዓት ክንመስል ሱቕ ክንብል ኣይድግፎን እየ። ስለዚ እህህታ ናይ ህዝበይ ክሳብ ዘብቅዕ ቃልሰይ ክቕጽል እየ።” ድማ ኢሉ፡

ጸሃየ ስዩም፡ ኣብ ህይስተን ንብዙሕ ዓመታት ዝተቐመጠ ኤርትራዊ እዩ። ንሱ ከም ኩሎም እቶም ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ኣለዎ ኢሉ’ዩ ዝኣምን። “ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንክመጸእ ተኣኪብና ተሰማሚዕና ባዕልና ክንውስን ኣለና።” ኢሉ። ነዚ ናይ ኮሚሽን ንጥፈታት ክከታተሎ ከምዝጸንሐ፡ ቅኑዕ መንገዲ ኮይኑ ከምዝርኣዮን ከምኡውን ክደፍኣሉ ምዃኑን ድማ ገሊጹ።

እቶም ተሳተፍቲ፡ ብዛዕባ ዋዕላ፡ ኮሚሽንን ጉባኤን ብመልክዕ ሕቶን መልስን፡ ኣብ ነንሕድሕዶም ክተሃናነጹ ኣምስዮም።  ኵሎም፡ ኮሚሽን ብዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታት ሕጉሳት፡  በቲ ተወጢኑ ዘሎ ጉባኤ ድማ ትስፉዋት ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ነቲ ኮሚሽን፡ ገለ  ውድባት ከይዕብልለኦ ወይ ድማ ክየፍርሰኦ ዝብል ስግኣትውን ከይተጠቕሰ ኣይሓለፈን። ኵሉ እንተታትን ስግኣታትን ግን ብተሳትፎ ህዝቢ ከምዝፍታሕ ደጋጊሞም ዘስመርሉ ጉዳይ እዩ።

ናይዛ ኣብ ህይስተን ኣቑምኩማ ዘለኹም ሽማግለ ሕጂ ቀንዲ ስርሓ እንታይ እዩ? ተባሂሉ ዝተሓተተ ዮውሃንስ ማሕራይ “ንህዝቢ ምንቕቓሕ፡ ምውዳብን ከምኡውን ኮሚሽን ብቑጠባ ከምዝድልድል ምግባርን  እዩ።” ክብል መሊሱ።

ኣብ ህይስተን ብኮሚሽነር ሃይለማርያም ተስፋይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣኼባ ተኻይዱ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክርስያዊ ለውጢ፡ ዓሚ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየድ ኣኼባ፡ ብ53 ኣባላት ዝቖመ ኮሚሽን እዩ። ዛጊት ኣብ ኵሉ ኩርናዓት ዓለም ብዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኬባታት 40 ዝኾና ሽማግለታት ቈይመን ኣለዋ። ካብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ክሳብ ርብዒ ዓመት ናይ 2012 ዓ.ም. ልዕሊ 500 ሰባት ዘሳተፈ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጉባኤ ክካይድ ትጽቢት ይግበር።

ኣብቲ ዝተካየደ መረጻ፡ ከም ኣቦ ወንበር፡ ዮናስ ኤርምያስ፡ ከም ጸሓፊ ተኽላይ ኣባዲ፡ ከም ውደባ ሙሴ፡  ከም ዜና ፕሮፓጋንዳን መርሃዊ ምላሽ (ፓስታ) ከም ተሓዚ ገንዘብ፡ ጀማል ሰንጋል፡ ከም ስርርዕ ወይ ጉድያት ፖለቲካ  ኣብርሃም ተ/ማርያም ከምኡውን ከም ህዝባዊ ርክባት ሉኡል መዓሾ ኮይኖም ተመሪጾም ኣለዉ።

ሽማግለ ህዝቢ ንጉባኤ ህይስተን ቴክሳስ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2126

Posted by on Feb 10 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net