ኣዋጅ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  

ካርቱም

 
ዕለት 02/04/05    

ከም ፈለማ ዕማም ነዚ ኣዋጅ ዝፈረሙ ፖለቲካዊ ውድባት ኣብ መንጎኦም ተኸታተልቲ ኣኼባታት ብዛዕባ ስምረተን ኩነታት ሃገርናን ዓሞቕቲ ልዝባት ኣካዮም። ካብኡ ኣስዒቦም ኣባላት ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ውድባት ኣብ ዘቐራርብዎም ሸነኻት፡ ማለት ኣብ ፖለቲካውን ሰrዒታውን ፕሮግራማቶምን ተመሳሰልቲ ኣርእስትታት ስምረትን ኣብ ዘተኮሩ ዛዕባታት ቐጸልቲ ዘተታት ኣካይዱ።ኣብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ምጽንባር ዝኽእሉ ዓቕምታትን ቐጻልነቱን ንጥፈታትን ገምጊሙ።ድልድልነት ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፖለቲካዊ ጠመተ፣ ድልየት ስምረትን ባይታ ውህደትን ድሕሪ ምርግጋጽ ፈረምቲ ውድባት ኣብ ውህደታዊ ስምረት ክኣትዋ ወሲኑ።እምባኣር እዚ ኣብ ዲሞክራሲያውን ሃገራውን መቖሜታት ዝተመስረት ንእዋናውን መጻእን መድረኽ ንምልላይ ዘብቕዐ እዩ፡። ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ዘተ መሰረት ብምግባር መርሓቲ ፈረምቲ ውድባት ኣብ ካርቱም ካብ 1-2 መጋቢት, 2005 ተኣኪቦም ንዞም ዝስዕቡ ስምምዓት ኣዊጆም።

1.ፈረምቲ ኣዋጅ ስምረት፡ ነቶም ኣብ ውሽጦም ዝተሰማምዑሎም መትከላት መሰረት ብምግባር፡ ” ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ” (ዲ.ግ.ኤ.) ዝብል ሓባራዊ ስም ከም ፖለቲካዊ መለለይ መሪጾም።

2. ፈረምቲ ኣዋጅ ስምረት ጉባኤ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ከሰናድኡ ተሰማሚዖም።ተሳታፍነት ጉባኤ ብውክልና ካብ ሕጋዊያን ባይቶታት ውድባት ስምረት ይኸውን።

3.ኣገዳስነት ህልው መድረኽ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ መርሓቲ ውድባት እዚ ስምረት ግዚያዊ ላዕለዋይ መሪሕነት ክቐውም ተወሲኑ።ውጽኢቱ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክቓላሕ እዩ።

4. ንጉባኤ ውህደት እትዳልው ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብኣባል ነፍስወከፍ ውድብ ክትቐውም ተወሲኑ።

 ድፍኢት ስምረት ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ተቓወም በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝካየድ ዘሎ መሪር ጭቖና ዝተደረኸ ስለዝኾነ ነዚ ኣብ ሃገርና ተተኺሉ ዘሎ ዲክታተራዊ ስርዓት ንምውዳቕ ኩሎም ሃገራዊያን ሓይልታት ዝምርሕሉ ዕላም እዩ።ከምእውን ስምረት፡ ርእሱ ዝኻኣለ ዕላማ እዩ።ዲሞክራሲያዊ መተካእታ ብሓደ ስሙርን ሓያልን ስሩዕን ውድብ ጥራይ እዩ ዝረጋገጽ።ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን መዳያት ዝካየዱ ዘለዉ ምዕባለታታት ከይቐደሙና ከለዉ ሓላፍነትናን መጻኢ ዕማማትናን ከነማልእን ጠለብ ህዝብና ከነርውይን ፡ ነዚ ኣዊጅናዮ ዘለና ስጉምቲ ስምረት ክድገፍን ኣብ ምዕባሊኡ ክሳተፉ ንዕድም። ንኹሎም ሃገራዊያን ፖልቲካዊ ሓይላታት ነቲ ዝገበርዎ ምትብባዕ ነምስግን፤ ተመሳሰልቲ ዲሞክራሲያዊያን ውድባት ናብዚ ኣቑምናዮ ዘለና ማእከል ዲሞክራሲያዊ  ክጽንበሩ ነተባብዕን ንዕድምን።ኣብ መወዳእታ ድማ ንሓፍትና ዝኾነት ሱዳን ኣብ ኩሉ መድረኻት ቃልሲ ህዝብና ዝተሳተፍት፡ ወሰን ዘይብሉ ምስጋና ነቕርብ። ከምእውን ንደገፍ ጎራባብትና ብፍላይ ንኢትዮጵያን የመንን፡ ንህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ዘበርከትዎ ሞራላውን ማተራሊያውን ሓገዝ ዓብይ ምስጋና ነቕርብ።

ዝፈረማ ውድባት፡

 

1.ሰልፊ ተራዶዖ ኤርትራ (ሰ.ተ.ኤ)

2.እስላማዊ ግንባር ኤርትራ (ገስገስቲ ሓይልታት ሓቂ)

3. ሰልፊ እስላማዊ ስኒት ኤርትራ

4. ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ግንባር ኣኤርትራ

5.ተጋድሎ ሓርነት ኣኤርትራ፡ስሙር ሃገራዊ ውድብ

6. ምንቅስቃስ ተቓውሞ ዲሞክራሲያዊ ኤርትራ፡ጋሽ-ሰቲት

7. ምሕዝነት ተሳትፎ ምንቅስቃስ ኤርትራውያን

 

ካርቱም 02/03/05

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2731

Posted by on Mar 2 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net