ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብሓባር ድምጺ ኣባልነት ኣቶ ኣድሓኖም ሰሪዙ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
መስከረም 18, 2005
ካርቱም

ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዕለት 16/09/2005 ድሕሪ ቐትሪ ኣብዝነበረ ምዱብ ኣኼብኡ ኣባልነት ምክተል ኣቦወንበር ኢዲኪ ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማርያም ሰሪዙ።ኣቶ ኣድሓኖም ምክትል ኣቦወንበር EPMን ነዚ ሰልፊ ወኪሉ ከም ምክትል ኣቦወንበር ኣብ ኤዲኪን ኮይኑ ይነጥፍ ከምዝነበረ ይፍለጥ፡ እንተኮነ ግን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሕለፈ ወርሒ ኣብዘካየዶ ናይ ማእከላይ ባይቶ ኣኬባኡ ኣባልነት ኣቶ ኣድሓኖም ከምዘደስከለ ዝዝከር ኮይኑ ብኡ መሰረት ድማ  ኣብዚ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤዲኪ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣቶ ኣድሓኖም ወኪል ናቶም ከምዘይኮነ ኣባልነቱ ካብቲ ኪዳን ክሰሓብ በዘቕረቦ ጠለብ ኣብቲ ምርግጋጽ ኣባልነት ኣብትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝተኻየደ ካልኣይ መዓልቲ ኣኼባ ኤዲኪ  ብናይ ሓባር ድምጺ ንኣባልነት ኣቶ ኣድሓኖም ካብቲ ኪዳን ሰሪዙ።ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኣቶ ዑቕባይ ተኽለ ኣብ ክንዲ ኣቶ ኣድሓኖም ኣብቲ ኪዳን ወኪል ናይቲ ውድብ ኪኸወን ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ኣድሓኖም ብሽም ግዝያዊ መሪሕነት ናይ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንማእከላይ ኮሚቴ ቅጥዕታትቱ ኣቕሪቡ እንተኾነ ግን ማእከላይ ኮሚቴ ኤዲኪ ነቲ ዘቕረቦ ሕቶ ነጺጉ።ኣቶ ኣድሓኖም ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ብኣቶ መስፍን ሓጎስ ዝምራሕ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ከም ዝተፈልየ ይፍለጥ ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንግኡን ኣብ መንጎ ማእከላይ መሪሕነት ኢርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘጋጠመ ፍልልያት ካብቲ ውድብ ተፈልዩ።

ኤዲኪ ኣብ ካርቱም ብዕለት 15/09/2005 ዝጀመሮ ካልኣይ ምዱብ ኣኼብኡ ይቕጽል ኣሎ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2822

Posted by on Sep 18 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net