ጭሕሚ ብጻይካ ክላጸ ጭሕምኻ ማይ ልኸ
መስከረም 18-2005
ብ ረ.ክ. (ባሻይ)
ጭሕምኻ ማይ ልኸ ጎረቤት ክላጸ
ሓርማዝ ‘ተመሰሉ ዘይትኸውን ጻጸ
ክገሃድ ጀሚሩ ባይታ-ባይታ ሕጸ
ኣየኖት’የን መርዑ ኣየናይከ ሰብኣይ
ተር ክብላ’የን እምበር ቀዳማይ ካልኣይ
መለሳ የብሉን ተሰሪዕካ ምብካይ
ምውዳቕሲ ወዲቐ ምዓስ ጠፊኡኒ
ምትሳእ ስኢነ ዓጽሚ ተሰይሩኒ
ከምታ መብጽዓኹም ዘይትጽግኑኒ
ከም ውዕልና ኰይኑ ተወዲኡ ኩሉ
ቍሩብ’የ ተጋግየ ዓው-ዓው ወሲኸሉ
ከም ዝገጠመካ ምግባር እንድኣሉ!
ተቐበሉ በሉ ንሱ’ዩ ኰይኑኒ
ኣቤት መባህልቲ ብጾት ኣለዉኒ
እምብዛ ኣብዚሐዮ ክሳዕ ዝመንዉኒ
እተን ሕራይ ዝብላ ኩለን ኣኪበየን
እተን እምቢ ዝብላ ፋሕ-ፋሕ ኣቢለየን
ግርም ሰሊጡኒ ከምዝስ ኣይተራእየን
በሉ ኣይትደንጒዩ ሓዲኡ ግበሩ
እቶም ትፈልጡዎም ከይበራበሩ
ጀሚሮም ኣለዉ ቍሩብ ከዕገርግሩ
ቀደም’ዮም ፈሊጦም ብዛዕባ ምስጢርና
ኣብዚ ሓጺር ግዜ ብዙሓት ኣስዲዕና
መሳርፍ በዚሑ ዓይኒ ‘ውዲቖምልና
ደወል ደውሉለይ ከየጽበብኩ ዓቕለይ
ትፈልጡዋ ኢኹም ‘ታ ናይ ቀደም እዝነይ
ጥምቀት ክንገብረላ ነዛ ሓዳስ ስመይ
ሕጂ’ሞ ስለጡ ዘብ-ዘብ ወስኹሉ
ናይ’ቲ ‘ትፈልጥዎስ ዳሕራይ ነዕልለሉ
ዕማም ኩላትና’ዩ ኣይትገደስሉ
እዚዩ’ቲ ጭሕሚ ’ቲ ዝላጸ ዘሎ
እዚ’ዩ ‘ቲ ማሰ እዚ’ዩ ‘ቲ ኣውሎ
ሸታሕ ኢልካ ረማዕ ከየርከበ ከሎ
ግዴኻ ተሪፉ መንእሰይ ተዳሎ!!!
Short URL: https://english.farajat.net/?p=2227