ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ንመጀመርታ ግዜ ዑደቱ ናብ ኣውሮጳ ጀሚሩ

ጋልፍ ኢንፎርመሽን ሰንተር
ሓምለ 25, 2005 
ካርቱም

ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራዊያንን ምዕባለታት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ዝሰግሮ ዘሎን ኣብ ፌስቫል ካስል- ጀርመን መግለጺ ክህብ ምዃኑ ንጋልፍ ኢንፎአርመሽን ሰንተርን ኤርትሪያን መዲያ ሰንተር ሓቢሩ።ንሱ ንኤርትራዊያን ተቐማጦ ኣውሮጳ ኣብ ምልጋስ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኣስመራ ንኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ክድግፉ ጻዊዒት ክገብሩ ምዃኖም ገሊጹ።ኣብ ልዕሊ እዚ ምስ ማሕበራት ሲቪል ሕብረተስ ኣውሮጳ ተሳተፍቲ እቲ ፌስትቫል ተኸታተልቲ ኣኼባታት ክገብር ምዃኑ ብምሕባር ብዛዕባ ምግሃስ ሰብእዊ መሰላት በቲ ስርዓት ክገልጽ ምዃኑ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ፌስቲቫል ካስል ናይ ሎሚ ዓመት ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባታትን መድረኽ ክትዕን ንዝተፈላለያ ኤርትራዊያን ፖለቲካዊያን ሓይልታት ብፍላይ ድማ ንማሕበራት ሲቪል ሕብረተብ ንኽግበር ትጽቢት ኣሎ።ኣብ ልዕሊ ብዶክተር ተስፋጽዮን መድሃኔ እትምራሕ ኮሚቴ መድረክ ዘተ ኣኼባ ብምግባር  ብዛዕባ ንጥፈታት ሪፖርት ከተቕርብ እያ።ኮሚቴ መድረኽ ዘተ ዝሓለፈ ዓመት ከምተመስረተትን ብሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራ ከምዝጽደቐን ይዝከር።

ኣቶ መሓመድ ጠሃ ተወከል ንመጀመርታ ግዜ ብዝተፋላለየ ምኽንያት ኣብ ፌስትቫል ካሰል ናይዚ ዓመት ከምዘይሳተፍ ተፈሊጡ።ኣቶ መሃመድ ጠሃ ናይ ሎሚ ዓመት ፌስትቫል ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ይካየድ ብምህላዉ ዓብይ ለውጢ ንተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ እዩ ክብል ገሊጹ።ንኣዳላዊ ኮሚቴ እቲ ፌስታቫል ብዝገበረትሉ ዕድመ ብምምስጋን ብዝተፈላልየ ምኽንያት ክሳተፍ ብዘይምኻኣሉ ዝተሰመዖ ቅሬታ ገሊጹ።ኣቶ መሓመድ ጠሃ ብዛዕባ እዋናዊ ምዕባለታት ኤርትራ ንዝምልከቶም ኣካልትን ማሕበራትን መግላጺ ንምሃብ ናብ ሃገራት ዓረብ ዑደቱ ከምዝጀመረ ገሊጹ።

 

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2870

Posted by on Jul 25 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net