ስርዓት ኣስመራ ብምጅማር ሓድሽ ግጭት የጠንቅቕ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
መስከረም 25, 2005
ካርቱም  

ስርዓት ኣስመራ እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ውድብ ሑብራት ሃገራት መፍትሒ እንተ ዘይጌራትሉ ዳግማይ ውግእ ክፍጠር ምኻኑ ኣጠንቂቑ።ናይ ስርዓት ኤርትራ ፋኢናንስ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ንጠቕላሊ ጉብኤ ውድብ ሑቡራት ሃገራት እዚ ስርዓት ብይኸውን ዝበሎ መንገዲ ክከላኸልን ዶባቱ ክዕቅብን ምሉእ መሰል ከምዘለዎ ገሊጹ።ኣቶ በርሃነ ኣብ ቃሉ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ነቲ ግዝኣት መፈጸምታ እንተዘይ ጌሩሉ ነዚ ሓድሽ ውግእ ከምጽኦ ዘኽእሎ ሳዕቤን ሓላፍነቱ ከምቲ ኢትዮጵያ ትስከሞ ማዕሪኡ ደማ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ሓላፍነት ክስከም ምኻና ኣጠንቂቑ።

ከምዝዝከር ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እዚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርአ ዝነበረ ብዝሒ ሰራዊት ስክፍትኡ ከምዝገለጸ ይፍለጥ። ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ካብ 2000 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ክነጥፍ ጸኒሑን ኣሎን እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ዝነበረ ውግእ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ሂወት ኣስታት 70,000 ደቂ ሰባት ከምዘህለቐ’ውን ይፍለጥ።

ተዓዘብቲ ከምዝሕብርዎ እዚ ብስርዓት ኣስመራ ዝግበር ዘሎ ናይ ውግእ ምግቡዕባዓት ንማሕበረሰብ ዓለምን ንህዝቢ ኤርትራን ኣተኩሮ ካብቲ ውሽጣዊ ጸገማት ናይ ኤርትራን ፖለቲካዊ ጸገማት ይኹን ቁተባዊ ኣቓልቦ ናብ ካልእ ንምስራቕ እዩ ይብሉ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2874

Posted by on Sep 25 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net