News

ስርዓት ኣስመራ ብምጅማር ሓድሽ ግጭት የጠንቅቕ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር  
መስከረም 25, 2005
ካርቱም  

ስርዓት ኣስመራ እዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ናይ ዶብ ግጭት ውድብ ሑብራት ሃገራት መፍትሒ እንተ ዘይጌራትሉ ዳግማይ ውግእ ክፍጠር ምኻኑ ኣጠንቂቑ።ናይ ስርዓት ኤርትራ ፋኢናንስ ሚኒስተር ብርሃነ ኣብርሀ ንጠቕላሊ ጉብኤ ውድብ ሑቡራት ሃገራት እዚ ስርዓት ብይኸውን ዝበሎ መንገዲ ክከላኸልን ዶባቱ ክዕቅብን ምሉእ መሰል ከምዘለዎ ገሊጹ።ኣቶ በርሃነ ኣብ ቃሉ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ነቲ ግዝኣት መፈጸምታ እንተዘይ ጌሩሉ ነዚ ሓድሽ ውግእ ከምጽኦ ዘኽእሎ ሳዕቤን ሓላፍነቱ ከምቲ ኢትዮጵያ ትስከሞ ማዕሪኡ ደማ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ሓላፍነት ክስከም ምኻና ኣጠንቂቑ።

ከምዝዝከር ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት እዚ ብዛዕባ እዚ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርአ ዝነበረ ብዝሒ ሰራዊት ስክፍትኡ ከምዝገለጸ ይፍለጥ። ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ካብ 2000 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ዶብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ክነጥፍ ጸኒሑን ኣሎን እዚ ድማ ብመሰረት እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ዝነበረ ውግእ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ክልቲአን ሃገራት ሂወት ኣስታት 70,000 ደቂ ሰባት ከምዘህለቐ’ውን ይፍለጥ።

ተዓዘብቲ ከምዝሕብርዎ እዚ ብስርዓት ኣስመራ ዝግበር ዘሎ ናይ ውግእ ምግቡዕባዓት ንማሕበረሰብ ዓለምን ንህዝቢ ኤርትራን ኣተኩሮ ካብቲ ውሽጣዊ ጸገማት ናይ ኤርትራን ፖለቲካዊ ጸገማት ይኹን ቁተባዊ ኣቓልቦ ናብ ካልእ ንምስራቕ እዩ ይብሉ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top