ጸማም ዘረባ ኣብ መንጎ ስርዓት ኤርትራን ውድብ ሕቡራት ሃገራት መን’ዩ ተለዊጡ፡- ቱራቢ’ዶ ወይስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር
ጥቅምቲ 27, 2005
 ካርቱም

ወተሃደራዊ ምስሕሓባት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንዳ ዓበየ ይማጽእ ኣሎ።ኣለዋ።ናይ ውግእ ሃዋሁ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ኣብዘንጸላወሉ ግዜ ክልቲአን ሃገራት ወትሃደራተን ናብቲ ኣብ ዶብ ዘሎ ዱፍዓት የቀራርባ ኣለዋ።ኤርትራ እቲ ኣብ ዶብ ሱዳን ዝነበረ ሰራዊታ ኣልዒላ ናብቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዘሎ ዶብ ኣንቀሳቒሳቶ ኣላ፡ እዞም ወተሃደራት ኣብዚ ቦታ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ዝነበረ ግጭት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።ተቐማጦ እቲ ከባቢ ምንቅስቕስ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶባት ሱዳን ናብ ወገን ዶብ ኢትዮጵያ ክጉዓዝ ከምዝረኣዩ ሓቢሮም፡ እዚ ድማ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኣቶ ላም ኣኮል ኣረጋጊጽዎ ኣሎ።እሙናት ምንጭታት ንጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር ከምዝሓበርዎ ልኡኽ ኤርትራ ኣብቲ ዝገበሮ ርክብ ምስ መንግስቲ ሱዳን ምብጻሑ ወዲኡ ካብ ካርቱም ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሰ ወተሃደራቱ ካብቲ ዶባት ከወጽእ ምኻኑ ተሰማሚዑ ኢሎም።ልኡኽ ኤርትራ ሃገሩ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዳ ከይትእቱ፡ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት ምብራቕ ሱዳን ናብ ሊብያ ክሰጋገር ከምዝተረዳድኡ ኣቲ ምንጪ ሓቢሩ።

ስርዓት ኤርትራ ንዝርርብ ናይ ኣቦጃንን መንጎኝነት ናይ ሊብያ ንምፍታሕ ጸገማት ምብራቓዊ ሱዳን ደገፉ ድሕሪ ምግላጽ ናይ ረሊዝ ሰርትፊኬት ክወስድ ፈቲኑ።ብተወሳኺ ሰርዓት ኤርትራ ወተሃደራታ ካብቲ ብወገን ዶብ ሱዳን ዝነበረ ናብቲ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ዝነበሮ ቦታታት የንቀሳቕስ ከምዘሎ ተፈሊጡ።ሓይልታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብቲ 7 ቀንዲ መከታተሊ (መወሃሃዲ) ኖቅጣ ኣብ ምዕራባዊ ወገን ኤርትራ ዝርከብን ግንባር ቡሬን ወጽዩ ከምዘሎ ሓቢሩ።ኤርትራ ተወሳኺ ሰራዊት ናብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘዳውብ ቦታ ትሰደሉ ኣብዘላትሉ ግዜ ርክባ ምስ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ጸማም ዝርርብ ይልወጥ ከምዘሎ ይፍለጥ።ፕረዚደንት ሰርዓት ኤርትራ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ እቲ ውድብ ኣብ ምትግባር ውሳነ ኮሚስን ዶብ ምፍሻሉ ወቒሱ።ንሱ ብተወሳኺ ነቲ ምኽልካል በረራ ነፈርቲ ናይ ዓቃብ ሰላም ኣሕዲሱ፡ ቀጺሉ ድማ ኢትዮጵያ ካብቲ ዘላቶ ቦታ ከተልግስን ነቲ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ክትግብሮን ጸቕጢ ክግበረላ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።ዋና ጸሓፊ ኮፊ ኣናን እቲ ህላወን ምንቅስቓስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብቲ ነጻ ቦታ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝረከብ ቀንዲ ፍታሕ ምክልኻል ካብ ትርኢት ወተሃደራዊ ምዕባለታት በቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሕሓባት እዩ ኢሉ።ኣቶ ኮፊ ኣናን ኣብ መልእኽቱ ካብዘስመረሉ ነጻ ምንቅስቓስ ናይ ኣህጉራዊ ወተሃደራት ሓደ ካብቲ ወሳኒ ናይ ሰላም ስምምዕ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈራረማሉ እዩ ክብል ገሊጹ።ንሱ ቀጺሉ ከምዘብርሆ ዕቃበታት ምንቅስቕስ ናይ ኣህጉራውያን ሓይልታት ኣብ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ጸገማት ከምዝፈጥርን ከም ምግሃስ ነቲ ስምምዕ ከምዝሕሰብን ሓቢሩ።

እዚ ናይ ዶብ ምስሕሓባት ዘሎ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንስርዓት ኤርትራ ውግእ ኣብ ምምራጽ ክደፋፍኦ ከምዝኽእል እዚ ድማ ድሕሪ ምፍሻል ዲፕሎማስ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምንጻግ ናይቶም ቀዳሞት መንጎኛታት ናይ ኣፍርቃን ኣውሮጳን ሕብረት እዩ።ስርዓት ኤርትራ በቲ ዘለዋ ናይ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ወተሃደራዊ ጸገማት ቶኽሲ ባዕሉ ክጅምር ከምዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።እቲ ምውጻኣ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊትን ምግዓዝ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ዶባት ሱዳን ናብ ወገን ዶብ ኢትዮጵያ ንስርዓት ኤርትራ ነቲ ውግእ ክጅምሮ ዓቢ ዕድላት ከፊቱሉ ኣሎ።

ስርዓት ኤርትራ ኣብቲ ዝተገራቸወ ፖለቲካዊ ፖሊ ሲታቱ ብምሙርካስ ንዶር ሃሰን ኣቱራቢ ተቐቢሉ ከምዘሎ ተፈሊቱ ከምዘሎ ተፈሊጡ።እቲ ስርዓት ካብ 1992 ኣትሒዙ ዓቢ ናይ ሜድያ ውግእ ኣንጻር ዶር ኣቱራቢ የውሕዝ ከምዝነበረ ይፍለጥ።መርገጺ ኣቲ ስርዓት ናብ ወልቓዊ መርገጺ ናይ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈወርቂን  ኣብ ልዕሊ ኣቱራቢ ድሕሪ ምልዋጥ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራ ምስ ሱዳን ብምልጋስ ኣቱራቢ ከምዘተኣሳሰሮ ይዝከር።

ኤርትራዊ ልኡኽ ኣብቲ ንካርቱም ዝበጽሓሉ ግዜ ንዶር ኣቱራቢ ኣስመራ ንኽበጽሕ ዓዲምዎ ኔሩ፡ እዚ ድማ ንተዓዘብቲ ዓቢ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ መኖም እዩ ተቀይሩ ኣቱራቢ’ዶ ወይስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ወላስ እቲ ዝተገራጨወ ፖሊሲ ኤርትራ?

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2886

Posted by on Oct 27 2005 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net