News

ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ፡ ኣቶ ብርሃነ በየነ ኣብ ምርጫ መርሒነት ኤ.ዲ.ካ. ተዓዊቶም

ጋልፍ ኢንፎርሜሽን ሰንተር(ጋኢሰ)  
ፍ.ገብረሂወት  
ካርቱም    
ዕለት መጋቢት 5/2005  

ካብ ዕለት 23/02/05 ዝጀመረ ኣኼባ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን መርሒነቱ ብምምራጽ ቕድሚ ሒደት ደቓይቕ ኣኼብኡ ዛዚሙ።ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ኣኼባ ምምራጽ መርሒነት፡ ኣቶ ሑሰን ከሊፋ ኣቦ መንበር ከጻሚት ሽማግለ፡ ኣቶ ብርሃነ በየነ ኣቦ መንበር ላዓለዋይ ርሒነት ኤ.ዲ.ካ. ኮይኖም ተመሪጾ ክብል ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።ብተወሳኺ ኣባላት ፈጻሚት ሽማግለ ኮይኖም ዝተመረጽ፡ ኣቶ መሓመድ ናስር(25)፤ ኣቶ ኣድሓኖም ገብረማሪያም(25)፤ ኣቶ መሓመድኑር ኣሕመድ(22)፤ ኣቶ መንግስተኣኣብ ኣስመሮም(26)፤ ኣቶ ኢብራሂም ሃሮን(27)፤ ኣቶ ሓመድ ቱርኪ(21)፤ ኣቶ መሓመድ ጣሀር ሸንገብ(22)፤ ቀርነየሎስ ዑስማን(17)። ኣቶ ኢብራሂም ሃሮን ንግንባር ቀይሕ ባሕር ዓፋር ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዝመርሕ፡ ዝልዓለ ነጥቢ ብምርካባ ኣብ ልዕሊ ካላኦት ጸብለልታ ኣርእዩ።ኣብቲ ምርጫ ኣቶ ሕሩይ ተድላ ባይሩን ኣቶ ዕስማን ኣቡበከርን ተሓጺዮም ምንባሮም፡ እንተኾነ ብፍቓዶም ካብቲ ሕጸ ከምዝሳሓቡ ተፈሊጡ። ወኪል ጋ.ኢ.ሰ ካብቲ ቦታ ከምዝጸብጸቦ፡ እዚ ጉባኤ ፍሉይ ዝገብሮ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሓት ውድባት ነቲ ዝነበረ ፍልልያተን ኣጽቢበን ኣብቲ መሰረታዊ መትከላት ብኽፉት ኣእምሮን ሕውነታዊ ልዝብን ምስታፈን ኮይኑ፡ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ኣርብዓ ዓመት ከምዚ ከምዘይተራአየ ሓቢሩ።እቲ ኣገባብ ምርጫ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ምንባሩ እቲ ዜና ይሕባር።ብምቕጻል ሎሚ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ኣብ ቕድሚ ውክልቲ መንግስታት ሱዳን፤ ኢትዮጵያን የመንን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዝነብር ዘሎን ዝርከብሉ፡ ኣብ ቃዓታ ዘመር ሱዳን ክታሞም ከንብሩ እዮም።ነዚ ሎሚ መርዓ ኤርትራዊ ዲሞክራሲ ኮይኑ ዝባዓል ዘሎ ንምምዕራግ ውሩይ ደራፋይ ኣቶ ሑሰን መሓመድ ዓሊ ኣብቲ ቦታ ተረኪቡ ፍሉይ ድምቐት ክህቦ ምኻኑ እቲ ዜና ጽብጺቡ።

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top