ጹማቕ ዕውት ኣኬባ ብተጋዳላይ ዓብደላ ኣድም ኣብ ኦኩላንድ ካሊፎርነያ

ብዕለት 5/11/2005 ብተጋዳላይ ዓብደላ ኣድም ዝተኻየደ ዕውት ኣኼባ  ብመሳጥን ኣዕጋብን ዝኾነ መግለጽን መብርህን ሂቡ። ተጋዳላይ ዓብደላ ኣደም ኣብዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣተዂሩ መግለጺ ሂቡ።

1.    ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣባጋጉሱኡን ብጺሕዎ ዘሎ ምዕብልናታትን

2.    ብጉዳይ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን

3.    ህልው ክነታት ኤርትራ እዋናዊ ጠለባትን

4.    ብጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን

  • ሓው ዓብደላ ኣድም ብግዳይ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኣብ መግለጺኡ ክህብ እንኮሎ ኣማሳስራታ ግንምባር ሃገራዊ ድሕነት ካብ ጹቡቕ ድልየቱ ተበጊሱ ካብ በበይንኻ ቃልሲ ሰሚርካን ተጠርኒፍካን ምቅላስ ሓደ ካብቲ ኣዓዋቲ  እምንቶናን ትጽቢት ህዝብናን ስለ ዝኹነ ኣብ ናጻ ምርጫና ዝተመርካሰ እዩ ነይሩ ቡኡ መሰረት ድማ ኣበርቲዕና ጽዒርናሉ ኔርና እንትኾነ ከምቲ ዝተጻዕሮን ዝተሰርሖን ኣይ ከደን ናይ ሓሙሽተ ውድባት ሓድነት ተሳናኺሉ ይኽን ዳኣምበር እትን ስለስተ ውድባት እቲ መስርሕ ይቕጽሎኦ ኣለዋ ኣብዚ ቀረባ ኣውርሕ መስመሪ ጉባኤኤን ክገብራየን ቡኡ መሰረት ድማ ናይ ምትሕንፋጽ ምስርሕ ክካየድ እዩ ክብል ብሰፊሕ ተንተናን መብርህን ግሊጽዎ።

 

  • ሓው ዓብደላ ኣደም  ብግዳይ ኤ.ሃ,ዲ.ኪዳን መግለጺ ክህብ እንከሎ  ኣብ ተቓውሞ ደንበ ምምስራት ኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ናይ ዝተፋላለያ ውድባት ኣብ ሓደ ኮፍ ኢልካ ዘራሓሕቐካ ጉዳይ ወዝፍካ በቲ ዘራኽበካ ብሓደ ኴንካ ክትሰርሕ ካብ ቁርብነትን ድልየትን ዝተበገሰ ነይሩ በዚ መሰረት እዚ እውን ብደይ ቀላዓለም ገለ ናይ ፋናንሻል ሕጽረታት ይሃልዎ ድኣምበር እቲ ሓቢርካ ምስራሕ ድልይታት ብጹብቕ ይቕጽል ኣሎ ክብል ገሊጽዎ ኣስዕቡ ድማ ሓው ተጋዳላይ ዕብደላ ኣደም ብዛዕባ ሓገዛት ንኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ንዝምልከት ነቲ ኣኼበኛ እስኻትኩም ግብእ እጃምኩም ካብ ሰናይ ድልየታትክምን ተበጉሶኽምን ከም ተቓወምቲ  መጠን ሓገዛትኩም ወፈያታትኩም ህዝብኹም ንምውዳብን ናታትኩም ታራ ኣይትስሓቱ ክብል ብዑሙቕ ዝበለ ገልጻ ኣቕሪቡ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ድማ ብኣማራርሓ ኣኼቡኡን ገልጹኡን ዕግበት ተበጊሶም ኣብቲ ኣኺባ ከለዉ ባዕሎም ብናጻ ድልየት  ተሳተፍቲ ኣኼባ ሽማግለ ጎስጓስ ኣቒሞም ናይ ብሓቒ ዕደት ተጋዳላይ ዓብደላ ኣደም ዕውት ከም ዝነበረ እዚ ናይዞም ተፋላለዩ ውድባትን ተዳናገጽትን ተቓውምቲ ዝውሰድዎ ተበግሶ መርኣያ ዕውት ኣኼባ ዑደት ተጋዳላይ ዓብደላ ኣደም እዩ።

 

  • ሓው ዓብደላ ኣደም ብጉዳይ ህልው ክነታት ኤርትራ እዋናዊ ጠለባትን ክጠቕስ እንከሎ ህዝቢ ኤርትራ ብተራእዩ ዘይፈልጥ በቲ ስርዓት ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕን ሕሰመ መከራን ሳቕይት ካብ እውን ናብ እውን እና ገደደን እና ሓሰምን ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ህዝብና ነዚ ግፍዕታትን ሕሰመ መከራ ክጻውሮ ምኻሉ ሲኢኑ ጥራሕ ዘይክነስ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ኣብ ዘይ ኣምነሉ ስደት ይሳጣሕ ኣሎ ናብ ስደት ምምራሕ ካብ ቀደም ብዝተዓጻአፈ ብተራእዩ ዘይ ፈልጥ ናህርታት ይረኤ ኣሎ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኢርትራ ናብ ሓደጋ ተምርሕ ስለ ዘላ ናብቲ እዋናዊ ጠለባት ሃገር ከነድሕን ክሉና ተቓወምቲ ዋላ እውን ውድባዊ እምንቶ  እንተሃለወ በቲ ዘራኽበና ነጥቢ ኣሳራርሓ ብሓደ ኴና ንህዝብና ንምድሓን ብጡሙር ሓይሊ ክንሰርሕ ክንክእል ኣሎና ክብል ብሰፊሕ  ናይ ኣጋባብ መገዲ ዓወት ድሕሪ ምግላጹ ንተሳተፍቲ አኽአበኛ ናብ ታሩኡን እጃምን ንኸበርክት ኣብ ምሕያል ተቓውሙኡ ኣባራበሪ ታራ ተጻዊቱ 

 

  • ሓው ዓብደላ ኣደም ብጉዳይ ስደተኛታት ኤርትራውያን

ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማትን ክገልጽ እንከሎ ድማ ይብል ጉዳይ ስደተኛ ኤርራውያን ሓደ ካብቲ ዘስክፈና ዘሎ ዓቢ ግዳያት እዩ እንተኾነ ምስ ዓቅምታት ዝተ ኣሳሰረ ስለ ዝኾነ ክትግበር ዘለዎ ብኹሉ መዳይ  ውሕስነት ኣይ ተለገሰሎምን ኣሎ እንኮላይ ነዚ ብምራይ ኢየ ኣብቲ ኣቕድም ኣቢለ ዝጠቅስኩዎ ናይ ሕጽረት ፋይናንሻል ስለዘሎ ን ኤ.ሃ.ዲ.ኪዳን ንምሕያል ሓገዝኩምን ታራኹምን እጃምኩምን ካብ ምብርካት ኣይትቆጠቡ ዝብል ዝነበርኩ ክብል ብንውሕ ገለጻ ድሕሪ ምትንታኑ ንሕቶን መልስን ሪኢቶን ለቦዋን ዕድል ነቲ ተሳታፋይ ኣኼባ ኩፍት ገዲፉዎ

  ንዝመጽኦ ሕቶታት  ብኣዕጋቢ መልሲ እናሃበ ንሪኢቶታትን ለቦዋታትን ተቀቢሉ ምስ ዛዘመ  ነቲ ኣኺባ ብዕግበት  ብዝክረ ሰማእታት ተሰንዩ ብስላም ተደምዲሙ።  

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2972

Posted by on Nov 6 2005 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net