ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ጥዕና ዘለዎ ዝምድና ክምስረት ኣይክእልንዩ ትብል ።

GIC
21/9 /2006
 

ኣብቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መብርሂ ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብባህሪኡ ኣንጻር ሰላም ፡ ምዕባለን ዲሞክራሲን ስለዝኾነ ኣሚንካ ምስኡ ኣብ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ጉዳይት ዝተሰረተ ዝምድና ክግበር ኣይክእልንዩ ክብል ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዝከይድ ዘሎ ምምዕባል ዝምድና ዘለዎ መረዳእታ ከምዝገለጸን ፡ ነዚውን ሱዳናውያን ኣጸቢቖም ይፈልጥዎዮም ክብል ገሊጹ ።

ገዲም ተጋዳልይ ህወሓትን ኣቦን ዝኾነ ስብሓት ነጋ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዳንን ዝምዕብል ዘሎ ዝምድና ምስቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝጸንሐ ዝምድና ኣመልኪቱ ክምልስ ከሎ ፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን በዚ ሕጂ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ዝትንከፍ ዘይኮነስ ኣብ ስትርዝተጂካዊ ጉዳይት ዝተሰረተ እዩ ። እንተኾነ ግን መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ህጂ እዋን ምስ ጎረባብቲ ዝፍትኖ ዘሎ ናይ ምምሕያሽ ተበግሶ ነዊሕ ዝኸይድ ኣይኮነን ። እዚ ኸኣ  እቲ ስርዓት ኣብ ናይ ሓባር ስትራተጂ ዝተሰረተ ዝምድና ክግብር ብህሪኡ ስለዘይፍቅደሉ ነባሪ ዝምድና ክገብር ኣይክእልን እዩ ።

ስብሓት ነጋ ንዝምድና ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ፡ ዝምድናን ምስ ሱዳን ጥዕና ዘለዎን ኣብ ኣዝዮ ዝለዓለ ጥርዚ ምትሕግጋዝን ዝርከብዩ ክብል ገሊጽዎ ። ኣስዒቡ ኣቶ ስብሓት ከም መርኣያ ናይዚ ኸኣ ይብል ፡ ንኽልቴና ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ናይ ሓብር ኮሚቴታት ኣውጺእና ንሰርሕ ኣሎና ፡ ነዚ ዝገልጽ ህያው ኣብነት ከኣ ኣብ መንጎና ንዝጸነሓ ጉዳይ ገላባትን ፈሸጋን ከኣ ናይ ሓባር ኮሚቴ ኣውጺእና ንሰርሕ ኣሎና ።

ስብሓት ነጋ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘለዎም ዝምድና ተሓቲቱ ክምልስ ከሎ ፡ ዝምድናና ምስ ኤርትራ ካብ 1999 ጀሚርካ ኣብ ኩነት ኩናት እዩ ዘሎ ፡ ነብሰወከፍ ሃገር ከኣ ኣንጻር እቲ ሓደ የድመዓሉየ ኣብ ዝበሎ ተቓወምቲ ኣንጻር ሃድሕዶም  ብምሕጋዝ  ክሰርሕ ጸኒሑን ኣሎን ፡ እዚ ኸኣ ምልክት ናይ ኣብ ኩነት ኩናት ምህላውዩ ።

ቀጺሉ ኣቶ ስብሓት ነጋ ንህሉው ኩነታት ኤርትራ ክገልጽ ከሎ ፡ ኣብዚ ህጂ እዋን ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መልእ ዓለም ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ፡ ኤውረጳን ፡ ኣሜሪካን ተዘርጊሑ ይርከብ ፡ እዚ ኸኣ ነጸብራቕ ናይቲ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ  እታ ሃገር ዝኽተሎ በሓቲ ፖለቲካ ብብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዘውርዶ ዘሎ ኣደራዕን እዩ ክብል ገሊጽዎ ።  ኣብ መወዳእታ ኣቶ ስብሓት ነጋ ንሕና ይብል ንሓደ ወይ ጉጅለ ተቓዋሚ ሓይሊ ናብ ስልጣን ከነምጽእ ኢልና ኣይንሰርሕን ክብል ኣተሓህዝኦም  ንጉዳይ ተቓወምቲ ኤርትራ ኣብሪሁ ። 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3202

Posted by on Sep 21 2006 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net