ጌጋ ብጌጋ ኣይእረምን እዩ ሓሶት ድማ ሓቂ ኣይከውንን

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
22.09.2006
 

ካብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎኒ ሰውርኡ ደው ኢሉ ንናጽነቱን ልኡላውነቱን፣ ክቡርን ብዙሕን ዋጋ ከፊሉ፣ ንባዕዳዊ ገዛኢ ካብ መሬቱ ክሰጎን መላእ ሓርነቱ ነጻነቱን ክጭብጥ፣ ዕሸላት ደቁ ነዛ መሬት ብኹቡር ደሞም ኣርውዮማ። ድሕሪ ሃገርና ሓራ ምውጻኣ ግን፡ ስልጣን በቲ ጨቋንን ዲክታቶርያውን ስርዓት ህግደፍ ስለእተጨበጠ፡ በቲ ሃገራዊ’የ በሃሊ ስርዓት፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝኸፍአ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ከፍጽም ተራእየ። ነቲ ህዝብና ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝተቓለሰሉ ዕላማታትን ሕልምታትን ናጽነት ከይተወልደ እንከሎ ብዕሸሉ ቀተሎ።

እዚ ከይኣክል፡ እቲ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘሕለፎም ነዊሕ ናይ ስቅያት ዓመታትን፤ ብሰንኪ እቲ ነዊሕ ሓርነታዊ ኵናት ዝዓነወት ሃገርናን ኣብ ግምት ከየእተወ፣ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ባዕሉ ዝፈጠሮ ኵናት ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ሸሚሙዋ።

ንስምዒት ናይቲ ፈታው ሃገሩ ዝዀነ ህዝቢ ስለዝፈለጠ ድማ፡ ነዚ ባዕሉ ዝወልዖ ውግኣት፡ ከም ብጐረባብቲ ሃገራት ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘቕንዐ ውግኣት ኣምሲሉ ብናይ ዜና ማዕከናቱ ከቃልሖ ተራእየ ። ልክዕ እዩ ህዝቢ ኣብ መጀመርያ ብናይ’ቲ ስርዓት ናይ ፕሮፕጋንዳ ማዕከናት ተታሊሉ፡ ብኽቱር ሃገራዊ ስምዒት ተደሪኹ፡ ንሃገሩ ክከላኸል ኣብ ግንባራት ናይ ውግእ ተዋፊሩ ነይሩ ኢዩ። ነዊሕ ከይከደ ግን፡ እቲ ውግእ ስርዓት ህግዲፍ ከምዝጀመሮ ስለዝተረድኦ፤ ኣብ መንጎ ስርዓት ህግደፍን ኣብ መንጐ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ደገ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጋግን ዘይምትእምማንን ተፈጥረ።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ማዕረ’ቲ ህዝብና ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ውግእ ምእንቲ ናጽነት ይኹን፥ ኣብ’ቲ ኣብ’ዚ መወዳእታ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታትን ኣመራርሓን ስርዓት ህግዲፍ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደን፤ በሽሓት ዝቝጸር ህይወት መንእሰያት ዘህለቐን፤ ንመነባብሮ ናይ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዘከላባተን፤ ንንቑጽን ጥሉልን ዘንደደን ኵናት፡ ዘርእዮ ልዑል ሃገራውነትን ጅግንነትን ዘይምዃኑ ኢዩ። ድሕሪ’ዚ ኹሉ ዕንወት ውን፡ እቲ ስርዓት ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ ኣብ ክንዲ ዝእረም፤ ኣብ ጌጋታቱ ብምቕጻል፡ ነቲ ዘጋጠሞ ስዕረት “ብዓወት”፤ ነቲ ህድማ ድማ ብ”ምዝላቕ” ክግለጾን፤ ንውዲታት ጸላኢን ዕላማታቱ ኣፍሺልና እናበለ ንህዝቢ ከደናግር ምፍታኑን ኢዩ። እቲ ስዕረት ግን፡ ርኡይ ስለዝነበረ፡ ንምርድኡ ዝዀነ ይኹን ወተሃደራዊ ወይ ፖለቲካዊ ኣፍልጦ ዘድልዮ ኣይነበረን። ህዝብና፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ፡ ደቁን ክልተ ኣውራጃታቱን ስኢኑ እንከሎ፡ ኣብ ኣስመራ ኮፍ ኢልካ ተዓዊትና ብምባል ንዓይኒ ሓፋሽ ምድፋን ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ።

እቲ ውግእ ብጻዕሪ ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ብመንጐኝነት ፕረሲደንት ቡተፍሊቓ ናይ ኣልጀርያ ደው ከምዝበለ ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዞም ነዚ ሓቂ’ዚ ዘቃልሑን፡ ነቶም ንሓሶታቱ ዘይተቐበሉን፡ ነቶም እዚ ሃገራውነት ኣብ ደሙ ዝሰረጾ ህዝቢ ከመይ ኢሉ’ዩ በዚ ሕማቕ መንግስቲ ዝምራሕ ኢሎም ክሓቱ ዝጀመሩ ኤርትራውያን ክኣስር ምጅማሩ ድማ፡ ጉዱ ከይወጽእ ስለዝፈርሐ ኢዩ።

ባህርያት ስርዓት ህግዲፍ፡ ኣብ ሕማቕ ግዜን ኣብ ውግኣትን ንህዝቢ ኣድሕነኒ ኢልካ ምልምማጽ፤  ኣብ ግዜ ሰላም ከኣ፡ ተመሊሱ ንህዝቢ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምድጓንን ምጭቋንን ኢዩ።

ኣብ መወዳእታ ክንብሎ እንደሊ እንተሎ፡ ስርዓት ህግዲፍ ንሃገራዊ ስምዒት ናይ ህዝብና መዝሚዙ፡ ንረብሓ ናይ ውሑዳትን ሕልና ዘይብሎምን መራሕትን መጋበርያታቶምን ከየውዕሎ፡ ኵሉ ዝከኣለና ጻዕርታት ከነካይድን፤ ነዚ ካብ ናጽነት ኣትሒዙ፡ ንክፋእን እከይ ተግባራትን ናይ’ቲ ስርዓት ዝተጻወረ ተቓላሳይ ህብዝና፡ ካብ’ዚ ስርዓት’ዚ ንምንጋፉ ብንጽህና ብተወፋይነትን ክንሰርሕን እዋኑ ኣኺሉ ኢዩ። ጌጋ ብጌጋ ኣይእረምን’ዩ፤ ሓሶት ድማ ፈጺሙ ሓቂ ኣይከውንን ኢዩ።     

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3397

Posted by on Sep 22 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net