ኤርትራ፡ ንብረት ቃል ሂወት ክውረስ ኣዚዛ

ቤት ጽሕፈት ዜና
ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን
23.09.2006
 
 ናይ ቃል ሂወት ሰብኣዊ ፕሮጀክትታት ደው ከምዝብል ተገይሩ

መንግስቲ ኤርትራ፡ ቃል ሂወት ተባሂሉ ናይ ዝፍለጥ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ-ክርስትያን ንብረትን ሃብትን ክህገር ኣዚዙ።

እዚ ብጽሑፍ ዝተመሓላለፈ ትእዛዝ’ዚ፡ ናብ’ቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ብሕጊ ከምዘይመንግስታዊ ትካል ተፈሊጡሉ፡ ኣብ ትሕቲ ኮሚሽን ረድኤትን ምጥያስን ኤርትራ ክሰርሕ ዝጸንሐ  ክፍሊ ሰብኣዊ ጕዳያት ናይ’ቲ ቤተ-ክርስትያን ዘትኰረ ኢዩ። እቲ ትእዛዝ፡ ካብ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ናይ ዘይመንግስታዊ ትካላት ንጥፈታት ደው ከብል ዝጸንሐ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጕዳያትን ኤርትራ’ዩ ተመሓላሊፉ። ገለገለ ኤርትራውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ክርስትና፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጕዳያትን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ትእዛዝ ከመሓላልፍ ይኹን ኣብ ግብሪ ከውዕል ሕጋዊ ስልጣን የብሉን ይብሉ። እቲ ክውረስ ተወሲንሉ ዘሎ ንብረት፡ ናይ ቤተ-ክርስትያን ገዛውትን ኣብያተ-ትምህርትን መኻይንን ካልእ ንብረትን ዘጠቓለለ ኢዩ።

ኣብ ፓራዲዞ ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይ ቤተ-ክርስትያን ቃል ሂወት ብሓይልታት ጸጥታ ተወሪሩ ከምዝዕጾ ኰይኑ ኣሎ። ኣባላት ምምሕዳርን፡ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣብ’ቲ ቦታ ዝተረኽቡ ዜጋታትን ተኣሲሮም ኣለዉ። ከምኡ ውን፡ ኮምፕዩተራትን መዛግብን ካልእ ንብረትን ናይ’ቲ ቤተ-ክርስትያን ተሃጊሩ ኣሎ። መፋትሕ ናይ’ቲ ገዛውቲ ውን፡ ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ኣትሒዙ ኣብ ኢድ ፖሊስ ኢዩ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ ኣብያተ-ጽሕፈታት’ዚ፡ ካልእ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝህብ፡ ከም ናይ ዘኽተማትን መዋዕለ-ሕጽናትን ዝኣመሰለ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝካየድ ፕሮጀክትታት ውን ተሃጊሩ ኣሎ።

“እዚ ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ። ነቲ ቤተ-ክርስትያን ሓንሳብ ንሓዋሩ ንምዕጻው ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲ’ዩ” ክብሉ ገለገለ ምንጭታት ንኮምፓስ ዳይረክት ኒውስ እተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ሓቢሮም።

ሰለስተ ደረጃታት ዘለዎ ናይ ምድኻም ተግባራት፡-

ኣንጻር ናይ ፕሮተስታንት ኣብያተ-ክርስትያናት ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 4 ዓመታት ክውሰድ ዝጸንሐ ናይ ምድኻም ተግባራት ብሰለስተ ደረጃታት’ዩ ሓሊፉ ክብሉ ቦታውያን ሓለፍቲ ናይ’ቲ ቤተ-ክርስትያን ይገልጹ።

እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ንመራሕቲ ሃይማኖት ምእሳር’ዩ ነይሩ። ልዕሊ 30 ዝዀኑ መራሕቲ ብዘይ ክስን ብዘይ ፍርድን ኣብ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ይርከቡ። ብድሕር’ዚ፡ ንኣብያተ-ክርስትያናት ምውራርን ምዕጻውን ሃይማኖትዊ ንጥፈታት ከየካይዱ ምኽልካልን ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ዝተወስደ ስጕምቲ ድማ፡ ንብረት ቤተ-ክርስትያን ምውራስን፤ ንጥፈታት ናይ ቤተ-ክርስትያን ብሕጊ ምእጋድን ኢዩ።

መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ተቓውሞታቶም እኳ እንተስምዑ፡ እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጕምቲ ዳግመ-ርእይቶ ዝግበረሉ ኣይመስልን’ዩ ክብሉ ገለገለ ሰዓብቲ ናይ’ቲ ቤተ-ክርስትያን ይገሉጽ።

ካብ ግንቦት 2002 ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ኦርቶዶክሳዊ፡ ካቶሊካዊ፡ ወንጌላዊ ኣብያተ-ክርስትያንን ከምኡ ናይ ምስልምና ሰዓብቲ ዝዀኑ ናጻ ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ከልኪሉ። ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ናይ ፕሮተስታንት ኣብያተ-ክርስትያናት ንዘቕረብዎ ናይ ምዝገባ ጠለባት ነጺጉ።

ወጻኢ ካብ’ቶም ዝተመዝገቡ ሃይማኖታት ዝውንንዎም ኣብያተ-ክርስትያናት፡ ኣብ ገዛውቶም ክጽልዩ ዝተረኽቡ ምእመናን ክእሰሩን ክዕዘቡን (ክሳቐዩን) ሃይማኖቶም ክገድፉ ብርቱዕ ጸቕጥታት ክግበረሎምን ጸኒሑ።

ዋላ መራሕቲ ናይ’ተን 4 ዓበይትን ዝተኣመነለን ኣብያተ-ክርስትያናት ከይተረፈ፡ ብዙሕ ጸቕጥታት ኢዩ ዝግበረሎም። ንሕግታት ሃይማኖታዊ ትካላት ብምግሃስ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 2005፡ ብቤተ-ክርስትያን ንዝተቐብኡ መራሒ፡ ኣባ ኣንጦንዮስ ኣውሪዱ፤ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ-ክርስትያን ባዕሉ ክሸይም ተራእዩ።

ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ብውሑዱ 1,918 ዝዀኑ ኤርትራውያን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም፡ ብዘይ ፍርዲ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ዳይረክት ኮምፓስ ኒውስ እተባህለ ሃይማኖታዊ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ።

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3401

Posted by on Sep 23 2006 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net