ኣበቛቝልኩምዶ?

መስከረም 23-2006

ረ.ክ.(ባሻይ)

ሓጋይ ነዊሑና ኣዝመራ ደንጒዩ

እንታይ ከነባቛቝል ሰብኣይ ተዀርምዩ

ዘርኢ’ውን ኣይነበረን ተባተኽ በጺሕና

ኣጐዳዲልናዮ ቆልዑ ጠምዮምና

      በቲ እንተኸድና’ውን መሳኑ ኣይግድን

      ካውሎ ጥራይ ተዘሪኡ ጀርዲን

      ለዋህ ለባም ኣደ ተሰሪሓ ዓሻ

      ካውሎ ’ብድስቲ ኣብ ኣፍ-ደገ ጋሻ

ኣጋይሽ ኣይኮኑን መጺኦም ነጋዶ

ካበቲ ጎረቤትና ካብቲ ማዕዶ

ዓጸባ ምስ በዝሐ ዓቕሊ ጽበት

ትሕጃ ሂብናዮም ነቲ መሬት

      ገንዘብ ተበሊዑ መሬት ተገቢቱ

      ኣረጊት ናብ ጒድጓድ ጎበዝ ናብ ስደቱ

      መሬት ከነምልስ ክንምጒት ጀሚርና

      ጠበቓ ጠሊሙ ጒድ ኢና ረኺብና

መትሓዚ ስኢና ነገር ተጸይቓ

ዳኛ’ውን ጠፊኡ ሓቁ ኢዩ ጠበቓ

ዋና ተዋሪዱ ኣበይ ኣለኹም ይብሎም

ለካ ኣብ ሓደ ዳስ ትኣኪቦም ኩሎም

      ሓዲኡ ግበሩ መጎተ ኣይሰለጠን

      ጒድ’ዩ ተረኺቡ ምስጢሩ ’ይተፈልጠን

      ተስፋስ ኣይትቝረጹ ካልእኩም ምኸሩ

      መሬት ኣይቀበጽ’ንዩ ጠበቓ ቀይሩ

ጥምየት ኣይቀትልን’ዩ ብዘይካ ሸብዳዕዳዕ

ምሒልኩም ሞጒቱ ይትረፍ ምግድዳዕ

ሓድሽ ምዓስ ኰይኑ ታሪኽ ተወከሱ

ማሕረሻ እንተጎደመ ምትባዕ ኢዩ ፈውሱ

      ከምኡንድያ እዛ ዓለም ክንደ’ዩ ዝሕለፍ

      ሓደ ኣትሪሩ ይረግጽ ሓደ ድማ ’ዕንቀፍ

      ረስዕዎም ኩሎም ዝደለዩ ይግበሩ

      ተመሊስካ’ብ ጒድጓድ ነገር ናይ ወኻሩ!!!

Short URL: https://english.farajat.net/?p=2428

Posted by on Sep 23 2006 Filed under Poetry. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net