ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣውስትራልያ

ፈረጀት : መልበርን

07/01/07  

በጋጣሚ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ብስም ፈስቲቫል ዘካይዶ ዓመታዊ ፕሮፓጋንዳ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ታቓወምቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመበል ሓሙሻይ ዓመት ብዝላዓለ ምድላውን ፍናን ኣብ ክፉት ጎደና ኣድራሽ መልበርን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ቦታ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ማእከል ከተማ መልበርን ብሙዚቀኛታት ዝተሰነየ፡ ንሰልፈኛታት ፍናን ዝሃበ፡ ንተዓዘብቲ ዝሰሓበ ብምንባሩ፡ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ብዓይነት ይኹን ብዓቀን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ህግደፍ ዓቢ ስጉምቲ ዝተራኣየሉ ሰልፊ ምንባሩ ክጥቀስ ይከኣል። ብምኽንያት ሰለማዊ ሰልፊ ንህዝቢ ዝተዓደለ ጽሑፋት፡ ዝተራእየ ናይ ቪድዮ ደኩሜንታት፡ ዝተለጠፈ ጭሮሖታትን ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ደምቀት ዝሃበ ተውሳኺ ሓይሊ ናይቲ መደብ እዩ። ካብ ዘተፈላለየ ከተማታት እውስትራልያ ኣብቲ ሰልፊ ንኽስተፉ ዝመጹ ኤርትራውያን ኣጋይሽ፡ ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ከም ኣመኒስት ኢንተርናሽናል፡ ትካላት መራኸቢ ብዙሓን ስልፍታት ክኢላታት ሙዚቀኛታት ተሳቲፎም ነሮም። እዚ ኣብ ዕለት 5ን 6ን 2007 ንኽልተ መዓልቲ፡ ካብ ሰዓት 4፡00 ድ፡ቀ ክሳብ ሰዓት 11፡00 ድ፡ቀ ብዘይ ዕርፍቲ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ንስርዓት ህግደፍ ብምኹናን፡ ተቓወምቲ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ ህዝቢ ካብ ኣርዑት ጭፍለቓ ህግደፍ ክላቐቅ፡ ኣብዝግበር ዘሎ ቃልሲ ብዘይቶግላባ ቃልሶም ከሐይሉ ምዃኖም  ደጊሞም ቃሎም ዘሐድስሎ መድርኽ እዩ ነይሩ።

እቲ ንሃልኪ ቲቪ ኤረ ንፖለቲካዊ ጎስጓስ ተባሂሎ ዝተዳለወ መደብ ህግደፍ ክፈርስ ጀሚሩ ኣሎ። ካብ 2001 ብተኻታታሊ ክካይድዎ ዝጸንሑ ብስም ፈስቲቫል ዝፍለጥ ምትእኽኻብ ንሰብሰልጣናት ህግደፍ በዳሂ ስለዝነበረ፡ ክጸልዉ ይኽእሉ እዮም ዝተባህሉ ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ዕብዳላ ጃብርን ኣልኣሚን መሓመድ ስዕድን ተበራርዮም እውስትራልያ ክመላለሱ ጸኒሖም እዮም። ናይ 2007 መገሽኦም ግን ስርዓት ህግደፍ ኣጋጢምዎ ብዘሎ ዲፕሎማስያዊ ክሳራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሶማል ብዝገበርዎ ምትእትታው፡ ዝሓተትዎ ቪዛ ክሰልጦም ከምዘይከኣለ ሓበሬታት ኽልሑኽ ጀሚሩ ኣሎ። ደንጒና ዝረኸብናዮ ሓበሬታት ከምዘረጋግጾ ድማ እቶም ክብገሱ ዝሓሰቡ ሰበስልጣናት ህግደፍ ብሕማም ምኽንያት ግብገሱ ሰለዘይተኻኣለ፡ ነዚ ንምፍዋስ ተባሂሉ ብፓስፖርት ኣመሪካ ዝንቀሳቐስ ኣቶ ሳልሕ መኪ ነቲ መደብ ክሽፍን ብተብተብ ተብጊሱ ኣብ ፍርቂ’ቲ መደብ ስለዘርከበ ነቲ ዘጋጠሞም ናይ ቪዛ ክሳራ ክጎላብብዎ ይፍትኑ ኣለዉ። ቅድሚ’ዚ ሳልሕ መኪ’ውን ከርክብ እይካልን እዩ ዝብል ስኽፍታ ስለዝነበሮም፡ ብሞግዚትነት ዕብደላ ጃበር ዝሰርሕ ሸኽስያ ኣልቦ ኣምበሳደር ኣስመሮም ዝመርሖም እኽብካብ ግጅለ ህግደፍ፡ ሓምዳን ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ዝላዓለ ጋሻ እዩ ብዘስምዕ ቃና ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መልበርን ናይ ምቕባል ስነስርዓት ገይርሉ ነይሩ። ብዛዕባ መንነት ሓምዳን ምዝራብ ሚዛንካ ምዝንጋዕ ኣብራሲ ምዃኑ ንተቐማጦ ጀርመን ንገድፈሎም።  

ሞራል ሰዓብቲ ህግደፍ ነዚ ስነስርዓት ዝጎደሎን ንወልቃዊ ዝነኦም ተባሂሉ ንስእሊ ዝተዳለወ ቀብዘርዘርን፡ መውዳእታ ዘይብሉ መደረ ሃለውለው ኣስመሮም ነቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ናይ ጓይላ መደብ ሰለዘህሰሶ፡ ተለኣኣኽቲ ናቲ ስርዓት ከይተረፉ ክጻወርዎ ኣይከኣሉን። እቶም ክሳብ ሰዓት ሰለስተ ክትጻወቱ እኹም ተባሂሎም ገንዘቦም ዝኸፈሉ ፈተውቲ ጓይላ መደረን ፖለቲካን ህግደፍ ክንሰምዕ ኣይመጽእናን ኢሎም ብዝፈጠርዎ ነውጽን ባእስን፡ ድሕሪ 3 ወይ 4 ደርፊ፡ ወዲ ትኹል እንዳደረፈ እንከሎ ሓለፍቲ እዳራሽ መብራህቲ ብምጥፋእ ሰዓት 12፡30 ካብቲ ኣድራሽ ኣውጺኦሞም። ዝኾነ ኮይኑ ውራይ ህግደፍ ኣብ”ዞም ክልተ ተመሳሳሊ ባህሪ ዘለዎም ሰባት ብምውዳቑ፡ ነቲ ብዝተፈለለየ መንገዲ ኣብ ፈስቲቫል ከይተረፍ ጎስጓስን ምፍርራህን ክግበርሉ ዝቐነየ ህዝቢ ዝዕግብ ኮይኑ ሰለዝይተረኽበ፡ እቲ ፈስቲቫል ዝብል ስም’ሲ ይተረፍ እቲ ጓይላ ‘ውን ኣይደመቐን።

ተቓወምቲ ኣብ መስመር ዲሞክራስን ፍትሕን ረጊጾም፡ መስል ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝረጋገጽ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ቦታን ዝሕንጸጾ ናይ ምትላል መደብን ብምስዓብ፡ ብግልባብ ማሕበረሰብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘይሕጋውን ኣነዋርን ተግባራት ንምቅላዕን ጉዱ ንምውጻእን ዝተኻየደ ቃልሲ ናህሪ ክውስኽ መደባት ሓንጺጾም ኣለዉ።

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3538

Posted by on Jan 7 2007 Filed under Editorial, Resistance. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net