ተሓጋጋዚት ሽማግለ ለንደን ንሃገራዊ ኮሚሽን፡ ቀዳምይ ኣኼባኣ ምስ ሕዝቢ ኣካይዳ

ብዕለት 13 የካቲት 2011፡ ተሓጋጋዚት ሽማግለ ለንደን (ተሽለ) ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃኮዲለ)፡ መስርሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስላጥ፡ ፈላማይ ኣኼባኣ ምስ ሕዝቢ ኣካይዳ። ናይቲ ኣኼባ ዕላማ፡ ኣባላትን ዕማምን ተሽለ ምስ ሕዝቢ ምልላይን፡ ክሳብ ሕጂ ዘሳለጠቶም ስራሓትን ንምሕባርን እዩ ነይሩ። እቲ ኣኼባ፡ ብኣቦ-መንበር ተሽለ ተኸፊቱን ተመሪሑን፡፡

ብቀዳማይ ደረጃ፡ መድረኽ ንኣባልት ኮሚሽነር ተውህበ፤ ኮሚሽነራት፡ ከምሓላፍነቶምን ተልእኮኦምን መሰረት፡ ብዛዕባ ዝመስረትዋ ተሽለ ንሕዝቢ ኣላለዩን ንምቛማ ዝተጠቅምሉ ኣገባብ ገለጹን። ኮምሽነራት ንኣቋውማ ተሽለ ብዝብልከት ጸቂጦም ዝተዛረብሉ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ፡ “ወላ’ኳ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍለ-ዓለም ዝተፈላለየ ኣገባባት ናይ ኣቋውማ ኮሚቴታት ይንበር እምበር፡ ዕላማኡ ሓደ እዩ። ንሕና ከም ኮሚሽነራት መጠን ከኣ፡ ዋዕላ ብዘሰከመና ሕጋዊ ሓላፍነት መስረት፡ ንኹሉ ዘድሊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተሽለ ብመንጽር ኣሳላጥነት ስራሕን ሰፊሕ ኣሳታፍነት ደለይቲ ለውጥን ጠሚትና፡ ንምቋማ ጻዕርታት ኣካይድናን፡ ኣብዚ በጺሕናን” ብምባል ንሕዝቢ ገለጹ።      

ድሕሪ’ዚ፡ ናይ ተሽለ ኣቦ-መንበር፡ ብዛዕባ ቅርጽን ዕማማትን ተሽለ ብቛንቛ ዓረብ ገለጸ። ተሽለ ነቲ ናይ ሃገራዊ ኮሚሽን ብዝመሳሰል ቅርጽን ዕማማትን ዝቆመት እያ። ተሽለ፡ ካብ ሞንጎኣ 7ተ ዝአባላታ ፈጻሚት ኣካል፡ ማለት ኣቦ-መንበር፡ ም/ኣብ-መንበር፡ ጸሓፊ፡ ከምኡ 4ተ ሓለፍቲ ንኡሳን ሽማግለታት ከም ዘለዋ ተሓበረ። ቀጺሉ ምኽትል ኣቦ-መንበር፡ ነቲ ናይ ተሽለ አቛውማን ክፍልታት’ቲ ዕማማትን ብትግርኛ ገለጸ። ብሰለስቲኡ ቛንቛታት ዝተዳለወ ወረቓቕቲ ንኣኼበኛታት ተዳልዩ ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ። 

ብተወሳኺ፡ ተሽለ ክፉት ምኻኑን፡ ኣባል ተሽለ ኮይኑ ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክተሓጋገዝ ጽቡቕ ድልየት ዘለዎ፡ ብሓጎስ ንጽበ ኣሎና ኪብሉ፡ ኮሚሽነራትን ኣባልት ተሽለን ንኼበኛታት ሓበሩን ዓደሙን።

ኣብ ምወዳእታ፡ ናይ ሕቶን መልስን ርኢቶን ግዜ ተዋህበ፤ ኮሚሽነራትን ኣባልት ተሽለን ንኣኼበኛታት መልሲ ሃቡ፤ ንሃናጺ ምኽርታት’ውን ብኣኽብሮት ብምቕባል፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ብጽቡቕ ተደምደመ።

ንኡስ ሽማግለ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን፣

ተሓጋጋዚት ሽማግለ ለንደን – ተሽለ

17 የካቲት 2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3643

Posted by on Feb 21 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net