News

ጸብጻብ ናይ 3ይ መዓልቲ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ሎሚ ሓሙስ 17 መጋቢት 2011 ‘ውን ንሳልሳይ ተኸታታሊ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተም ኣዲስ ኣበባ ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ፣ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ብኣባላት ፖለቲካዊ ሽማግለ ኮሚሽን ኣብ ምድላዉ፣ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ዘካየድሉ ፣ ሰነድ ንድፊ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኢዩ ተኻቲዖምሉ። እዚ ንድፊ ሰነድ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ መጠን ትሕዝትኡ ሰፊሕ፡ ትርጉሙ ‘ውን ዓሚቕ ስለዝነበረ ነዊሕ ክትዓት ተጌርሉ። ከም ‘ውን  እዚ ካልአይ ስሩዕ አኼባ ነቲ  ንድፊ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ብዙሕ ርእይቶታትን መአረምታትን  ኣስፊርሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ ዘድሊ ምትዕርራይን መወሰኽታን ምግባር ንቲ ሰነድ ኣጽዲቑ የሕሊፍዎ፡፡

እዚ ሳልሳይ ማዓልቲ አኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዓወት ተዛዚሙ፣ ጽባሕ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ምሉእ መዓልቲ ክሳብ ምሸት እቲ አኼባ ክቕጽል ምዃኑ ነዘኻኽር።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን – ካብ ኣዳራሽ ኣኼባ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

17 መጋቢት 2011

www.encdc.com

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top