ጸብጻብ ናይ 3ይ መዓልቲ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ሎሚ ሓሙስ 17 መጋቢት 2011 ‘ውን ንሳልሳይ ተኸታታሊ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከተም ኣዲስ ኣበባ ቀጺሉ ውዒሉ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼባ፣ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ነቲ ብኣባላት ፖለቲካዊ ሽማግለ ኮሚሽን ኣብ ምድላዉ፣ ነዊሕ ግዜን ጻዕርን ዘካየድሉ ፣ ሰነድ ንድፊ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ኢዩ ተኻቲዖምሉ። እዚ ንድፊ ሰነድ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ መጠን ትሕዝትኡ ሰፊሕ፡ ትርጉሙ ‘ውን ዓሚቕ ስለዝነበረ ነዊሕ ክትዓት ተጌርሉ። ከም ‘ውን  እዚ ካልአይ ስሩዕ አኼባ ነቲ  ንድፊ ሕገ ህንጻ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ብዙሕ ርእይቶታትን መአረምታትን  ኣስፊርሉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ ዘድሊ ምትዕርራይን መወሰኽታን ምግባር ንቲ ሰነድ ኣጽዲቑ የሕሊፍዎ፡፡

እዚ ሳልሳይ ማዓልቲ አኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብዓወት ተዛዚሙ፣ ጽባሕ ካብ ንግሆ ጀሚሩ ምሉእ መዓልቲ ክሳብ ምሸት እቲ አኼባ ክቕጽል ምዃኑ ነዘኻኽር።

 

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!!

 

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን – ካብ ኣዳራሽ ኣኼባ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

17 መጋቢት 2011

www.encdc.com

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3856

Posted by on Mar 18 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net