ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ስዊስ – ኣብ ፕያሳ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቭ

ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊስን፣ ጀርመንን፣ ጣልያንን፣ ፈረንሳን፣ከምኡ’ውን ካልኦት ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዕለት 25.03.2011 ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ምኻኖም ክንሕበር ንፈቱ።
ንኹሉ ኤርትራዊን ፈታው ፍትሕን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሳተፍ ይጽዋዕ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክልተ ዕላማታት ክወቅዕ ዝተወደበ እዩ። እቲ ቀዳማይን ህጹጽን ምድሓን ሂወት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ሊብያን ኣብ ሲናይ ግብጺን ኣብ ካልእ ቦታታን እዩ። እቲ ካልኣይን ክጉሰ ዘይክእልን መሰረታዊ ጠንቂ ሽግራትና ዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዲክታተራዊ ስርዓት ዝገብሮ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቅዋምን ምቅላዕን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝቃለስ ዘሎ ውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎድኑ ከምዘሎና ዝገልጽን እዩ።

ሰልፈኛታት ንሓለፍቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰደተኛታትን ቤት ጽሕፈት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ጀነቭ ተራኺቦም ብኣካል ኩነታት ክገልጹን ደብዳቤታት ከረክቡን እዮም።

ሎሚ ኣብ ከባቢና ዝነፍስ ዘሎ ናይ ዲሞክራሲ ንፋስ ንዓና እውን ብማዕዶ ናይ ተስፋን ሞራልን ተረኽቦ ኮይኑና ኣሎ።

ኮይኑ ግን እዚ ብማዕዶ እንሪኦ ዘሎና ደበና ኣብ ሃገርና መታን ኪዘንብን ጠሊን ራሕሲን መታን ከምጽኣልና ኪንሰርሓሉን ክንኩስኩሶን ይግብኣና ኢዩ እሞ ሃየ ፍሬኡ መታን ኪንሓፍስ ኣብ ዓወዲ ሰለማዊ ሰልፊ ንሳተፍ።

ስለዝኾነ ግፍዕን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰልን ዝፍጽም ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣትሪርኩም ክትኩኑኑዎን ክትቃወሙዎን ሃገራዊ ግዴታኹምን ሓላፍነትኩምን ብምዃኑ፣ ኣብ ’ዚ ዚተባህለ ግዜን ዕለትን ንኪትሳተፉ ብኽብሪ ንጽውዕ፣፣

  

  

 

ቦታ : ኣብ ፕያሳ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቭ – Palais des Nations, Geneva

ዕለት: ዓርቢ 25.03.2011

ሰዓት: 14:00 ጀሚሩ 18:00 ይውድእ

ኣዋሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ቦርጌሳዊ ማሕበር ኤርትራውያን ንሰላምን ደሞክራስን ተቓወምቲ

ሓይልታትን ኣብ ስዊስ

ዚ ኩሉኹም ኤርትራውያን ተቐማጦ ስውስን ጀርመንን ጣልያንን ፈረንሳን ነዚ ኣብ ሃገርና መዘና ኣልቦዚ ዚተባህለ ግዜን ዕለትን ንኪትሳተፉ ብኽብሪ ንጽውዕ፣፣

Short URL: https://english.farajat.net/?p=3844

Posted by on Mar 18 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net