Notices

ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኮሚሽን- በርሚንግሃም ሚድላንድስን መጸዋዕታ ንህዝባዊ ኣኼባ

ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኮሚሽን- በርሚንግሃም ሚድላንድስን ንኹሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝኾንኩም ተቐማጦ ከተማ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ብዛዕባ ዝሓለፉ ንጥፈታትን ዝተሰላሰሉ ዕዮን ካብ ዕማማት ኮሚሽን ንሰንበት ዕለት 15/05/2011 መብርሂ ክወሃብ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ኣኼባ ክትርከቡ ትዕደሙ ። ከም ‘ውን ሓደስቲ ምዕባለታትን ናይ ኩነታት ኤርትራን እቲ ኮሚሽንን እንኮላይ ሓፈሻዊ ጸብጻብ ናይ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡን ናይ ዝመጽእ ሰፊሕ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ተሓንጺጹ ዘሎ ናይ መጻኢ መደባትን ካልእን ዘጠቓለለ ንተቐማጦ ከተማ በርሚንግሃምን ሚድላንድስን ዝምልከት ንተራን ግደን ናይ ምትሕግጋዞም ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ዝምልከቱ ኣርእስታት ክዝረበሎሚ ኢዩ። ብተወሳኺ ብዛዕባ ንጉባኤ ንምድጋፍ ናይ ኣወኻኽላን ናይ ኣስተዋጽኦን ቅጽታት (ፎርም) ክቐርብ ኢዩ። ኣብዚ ተሓሲቡ ዘሎ ኣኼባ ከም ተዓዘብቲ ካብ ኣባላት ኮሚሽን ክሳተፉ ኢዮም ዋላ እኳ እቲ ኣኼባ ብቐንዱ ንኣባላት  ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኮሚሽን- በርሚንግሃም ሚድላንድስን ዝምልከት እንተኾነ።

ቦታ

 (former Fanus) Alnoor

Stratford Road  118

Birmingham

AJ1 11B 

Off Bus Stop Alaman

37, 31, 5,6, 4 From City Centre take Buses No

ግዜ፣ ካብ  ሰዓት 1፣00 ድ.ቀ. ክሳብ ሰዓት 5፣00 ድ.ቀ.  

ስለዚ ሓደራኹም ልክዕ በዚ ኣብ ላዕሊ ሰፊሩ ዘሎ ግዜን ቦታን ክትርከቡ

 

ተሓጋጋዚት ሽማግለ ኮሚሽን- በርሚንግሃም ሚድላንድስን

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top