መልእኽቲ ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ብዓል ናጽነት ኤርትራ

ክቡር ጅግና ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ መሪር ቃልስን ስቃይን መከራን ስደትን ውርደትን ኣሕሊፉ፡ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ፡ በጃ ሃገር ኣካሉ ጎዲሉ ዘምጻኣ ናጽነቱ ከስተማቕርን ክፍንጠዝን ጸምኡ ክረክብን ምተገብአ። ብዓል ናጽነት ክንብል እነኮለና እውን፡ እቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝኣክል መታን ናይ ሓበር ዕላማ ሓድነትና ኣረጋጊጽና፤ ተቓሊስና ዘምጻናያ ሃገር ብ1991 ብመንገዲ ረፍረንደም ኣቢልና ድማ ብሙሉእ ድምጺ ሕጋውነት ዘልበስናያ ኣብ ኣእምሮና ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ህሞት እዩ።

ክቡር ጀግና ህዝብና

ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዕድመ ናጽነት፡ ኣንጻር እቲ ህዝቢ ዝተቓለሰሉ ዕላማ፡ ኩሉ ዓይነት ናይ ምንባር መሰላት ዝበኾራ፡ ሰላምን ራህዋን ፍትሒ ዘይብላ፡ ብሓደ ሰብ እትማሓደር ቅዋም ዘይብላ ሃገር፡ ምረትን መከራን እንተዘይኮይኑ ገና ጣዕሚ ናጽነት ከየሰተማቐረ ዝተኾለፈ፡ ሕጂውን ምእንቲ ናጽነትቱን ዳግመ-ህንጻ ሃገሩን ክቃለስ ዳግም መድረኽ ይሓቶ ኣሎ።

ክቡር ጀግና ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ ንዳግመ-ህንጻ ክሸባሸብ እንተኾይኑ፡ ጥጡሕ ፓለቲካዊ ባይታ ኣምቢርካ፡ ህቡባትን ክኢላአትን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ናብ ሃገሮም ተመሊም ብሰላም ክዋፈሩ ምስ ዝኽእሉ ጥራይ  አዩ። እቲ ዝደለ ዘሎ ሃዋህው ግን ቦኺሩ ኣሎ፡ እሞ ኣብዚ ብቀጥታ ዝላዓል ሕቶ እዚ ቦኺሩ ዘሎ ናይ ራህዋን ሰለምን ሃዋህው መዓስ እዩ ክመጽእ? መዓስ’ከ እዮም ክኢላታት ደቂ ሃገር ናብ ወላዲት ሃገሮም ዝምለሱ? መዓስ እዪ ኩሉ ወዲ ሃገር ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ናጽነቱ ረኺቡ፡ መሰሉ ተሓሊይሉ ታርኡ ከበርክት ዝኽእል?

ክቡር  ጀግና ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብምኽንያት እቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠለቑ ደቁን ኣሓቱን ኣሕዋቱን ኣብ መሪር ሓዘን እዩ ዝርከብ።  ጠንቂ ናይዚ መረረ እዚ ስርዓት ህግደፍ ከምዝኾነን መታን ውልቀ ረብሕኡ ኣብ መንእሰያትና ካልእ ከም ብረት ዕጸ-ፋርስ ወ.ዘ.ተረፈ ዛአመሰሉ ዘይፍቑድ ነገራት ከምዝሽቅጥን ዝስሕቶ ኣሎ ኣልና ኣይንኣምንን።

ክቡር ጀግና  ህዝብና

ህልው ፓለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላው ክማሓየሽ እንተኾይኑ ቅድመ-ኩነት ጠርናፊ ዝኾነ ፓለቲካዊ ሃዋህው ክህልው ይግባእ፡፡ ከም ልሙድ ብምኽንያት ናጽነት ሃገርና በብዓመቱ እነብዕሎ ኮይኑ፡ ነቲ ዝተጠልመ ሕድሪ ስውኣትና ንምኽባር መብጻዓናን ተዋፋይነትናን እነሐድሰሉ ኣጋጣም ክኸውን ይግባእ። 

 

ክቡር ጀግና ህዝብና

ሰልፊ ናህዳ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ፡ ሓድነት ህዝብና ተረጋጊጹ፡ ህዝብና ኣብ ኩሉ መደያት መሰሉ ተሓሊይሉ ናይ ምንባር ድልየቱ ተኽብረሉ፡ ሓዳስ ኤርትራ ንምምስራት ይቃለስ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ቅደመ-ኩነት ዳግመ-ህንጻ ጥጡሕ ፓለቲካዊ ሃዋህው ክህልው ይግባእ ኢሉ ይኣምን። በዚ ኣጋጣም ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ንኹለ ፈታው ሰላምን ደላይ ደሞክራሲያዊ ለውጥን ህዝብና  ነዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ዓቢ ዕድል ተጠቒሙ ዓመተ-ምህረት 2011 ናይ ለውጢ ዓመት ክትከውንን ነዚ መላኺ ስርዓት ድማ ፎእ ዝብለላን ዓመት መታን ክተከውን ሓያል ሱታፌኡ ከርኢ መጻዋዕታ የቕርብ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

 

ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ

24/05/2011

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4835

Posted by on May 24 2011 Filed under Articles. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net