Notices

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ካንቤራ – ኣዉስትራልያ፣

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፣ ሰላምን ደሞክራስን ደቂ-ሃገር፤

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ – ዞባ ኣዉስትራልያን ኒዉዚላንድን፣ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ’ቲ ከባቢ ብዝቐረበሉ ጠለብ መሰረት፣ ንሰምበት  29 ግምቦት ኣብ  ካንቤራ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ክገብር መዲቡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ህዝባዊ ኣኼባ ተዳልዬም ዘለዉ ኣርእስትታት ፦

1-     ምስረታ ሃገራዊ ኮምሽንን ስርሑን

2-    ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ዘማለኦም ዕማማት

3-   ዉጽኢታት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ኮምሽን

4- ጽማቕ ኣፈጻጽማ ሰነድታት፤ ፖሎቲካዊ ቻርተር ፤መሪሕ ሓሳብ ፤ ሕገ ህንጻን ንዴፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ።

ኩሉ ደላይ ለውጢ ህዝብና ኣብ’ዚ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ክዓስልን ብዕትበት ክዋስኣሉን ድማ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት:  ሰምበት,29 ግምቦት 2011

ሰዓት:   3 ድ፡ቀ

ቦታ :    THEO NOTARAS MULTICULTURAL CENTRE

LEVEL 2 NORTH BUILDING

180 LONDON CIRCUIT

,

ንሓበሬታ ኣባል ሃገራዊ ኮምሽን ሙንተስር ዓብደላ ተወከሱ       0422 026 515

ብድሓን ምጹ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ዞባ ኣዉስትራልያን ኒዉዚላንድን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

Comments

Leave a comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.

Search the site

Back to top