ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ካንቤራ – ኣዉስትራልያ፣

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፣ ሰላምን ደሞክራስን ደቂ-ሃገር፤

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ – ዞባ ኣዉስትራልያን ኒዉዚላንድን፣ ብግዱሳት ኤርትራውያን ተቐማጦ’ቲ ከባቢ ብዝቐረበሉ ጠለብ መሰረት፣ ንሰምበት  29 ግምቦት ኣብ  ካንቤራ ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ክገብር መዲቡ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ህዝባዊ ኣኼባ ተዳልዬም ዘለዉ ኣርእስትታት

1-     ምስረታ ሃገራዊ ኮምሽንን ስርሑን

2-    ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ዘማለኦም ዕማማት

3-   ዉጽኢታት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ኮምሽን

4- ጽማቕ ኣፈጻጽማ ሰነድታት፤ ፖሎቲካዊ ቻርተር ፤መሪሕ ሓሳብ ፤ ሕገ ህንጻን ንዴፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ።

ኩሉ ደላይ ለውጢ ህዝብና ኣብ’ዚ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ክዓስልን ብዕትበት ክዋስኣሉን ድማ ብኽብሪ ንዕድም።

ዕለት:  ሰምበት,29 ግምቦት 2011

ሰዓት:   3 ድ፡ቀ

ቦታ :    THEO NOTARAS MULTICULTURAL CENTRE

LEVEL 2 NORTH BUILDING

180 LONDON CIRCUIT

,

ንሓበሬታ ኣባል ሃገራዊ ኮምሽን ሙንተስር ዓብደላ ተወከሱ       0422 026 515

ብድሓን ምጹ፣

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!

ውድቐት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ !!

ክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ዞባ ኣዉስትራልያን ኒዉዚላንድን

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4830

Posted by on May 24 2011 Filed under Notices. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net