ኣብ መደበር ስደተኛታት ከባቢታት ኣሳይታ በራሕለ ተሓጋጋዝቲ ህዝባዊ ሽማግለታት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ተመዚዞም፡

ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንያሲን መ/ዓብደላ፡ ነስረዲን ኣሕመድን ኢብራሂም ሸኽን ጠሚሩ ንወፍሪ ዝተበገሰ ልኡኽ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ከባቢ ኣሳይታን በራሕለን ንነብሱ ኣብ ክልተ ጫፋት ብምዝርጋሕ ዝተፈላለየ ህዝባዊ ኣኼባታት ምክያዱ ካብቲ ቦታ ዝመጸና ሓበሬታ ገሊጹ፡፡

ብ23 ሚያዝያ 2011 ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ከባቢ በራሕለ፡ ልዕሊ 700 ዘሳተፈ ህዝባዊ ኣኼባ ብምክያድ፡ ዝርዝር መብርሂ ብዛዕባ ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ዝተመሓላለፉ ፖሎቲካዊ ውሳኔታትን መብርሂ ምሃቡ ተሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክጋባእ ዝተወሰነ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምዕዋት፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሰፊሕ ቅድመ ምድላው ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ስደተኛታት ኤርትራውያን በራሕለን ከባቢኡን ከም ቀንዲ ግዳይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ መጠን፡ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ምዕዋትን ብኡ ኣቢልና፡ ብዝተወሃሃደ ዓቕሚ ህዝብን ሓይልታት ተቓውሞን፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምውጋድ፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተጋድሎ እጃሞም ከበርክቱ ከም ዝግባእ’ውን ጸዊዑ። ብድሕሪ’ዚ መብርሂ’ዚ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት ግቡእ መልሲ’ውን ሂቡ።

ብ27 ሚያዝያ 2011 ኣብ ከባቢ ኣሳይታን ከባቢኣን ንዝርከቡ ልዕሊ 150 ዝኾኑ ሰደተኛታት ኤርትራውያን ህዝባዊ ኣኬባ ብምክያድ፡ ተመሳሳሊ መብርሂ ምሃቡ እቲ ዝመጸና ዜና ይሕብር። ኣብ መወዳእታ ከኣ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተሓጋገዝ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ምምራጹ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

በዚ መሰረት ከም ውጺእት ናይቲ ኣኼባታትን ጻዕርታትን ካብ ህዝብን ኮምሽንን ኣብ ኣሳይታ ማዓስከር ስደተኛታት ሽድሽተ ኣባላት ዝሓቆፈ ህዝባዊ ሽማግለ ተመዚዛ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሰመራ ዚርክቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተምሃሮ ክልተ ኣባላት ዝሓቆፈ ህዝባዊ ሽማግለ ኣቑሞም፡፡ አብ  በራሕለ ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቆፈ ህዝባዊ ሽማግለ ተመስሪታ፡፡ ብተወሳኪ  ኣብ ኦርቤይቲን እብ ዳሉልን ከክልተ ብድምር ዓርባዕተ ኣባላት ዝሓቆፈ ህዝባዊ ሽማግለ ምምዛዞም እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣማኢት ስደተኛታት ዝተሳተፍዎ ብኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ዝተመርሐ ፈላሚ ኣኼባ ብዕለት 12 ግንቦት 2011 ኣብ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ዓዲ ሓርሽ  ከምዝተኻየደን፡ ንቐጻሊ ኣብቲ መደበር ስደተኛታት ኤርትራውያን ተኸታታሊ ኣኼባ  ከምዝካየድን  እቲ ዝመጸና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዓወት ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ!!

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ!!

ስዕረትን ውድቐትን ንምልካዊ ስርዓት ኤሳይያስ!!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!!

ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን-  ዞባ ኣፍሪቓ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

31 ግንቦት 2011

www.encdc.com

 

Short URL: https://english.farajat.net/?p=4974

Posted by on Jun 2 2011 Filed under News. You can follow any responses to this entry through the RSS 2.0. You can leave a response or trackback to this entry

Leave a Reply

Photo Gallery

Log in |2011 farajat.net